ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ዝርከብ ብተጸዋዒ ስደተኛታት ዝካየድ ማእከላት ብሰራዊት ኮነ ኢልካ ከምዝቃጸልን ከምዝዓኑን ከምዝተገብረ ተገሊጹ

Radio Erena: 10 January 2021

ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሻቕሎቱ ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ክልተ መዓስከራት ኮነ ኢልካ ከምዝዓኑ ከምዝተገብረ ይግለጽ ኣሎ።
ማዕከን ዜና ብሉምበርግ ናይ ሳተላይት ስእልታት ብምስናይ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ዝርከብ ብተጸዋዒ ስደተኛታት ዝካየድ ማእከላት ብሰራዊት ኮነ ኢልካ ከምዝቃጸልን ከምዝዓኑን ከምዝተገብረ ኣመልኪቱ።
ከም ማእከላት ጥዕና፣ ቤት ትምህርታትን መኽዘናትን ዝኣመሰሉ ንነበርቲ’ተን መዓስከራት ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘገልግሉ ትካላት፣ ብሓዊ እንዳተቓጸሉ እንከለዉ ዘርእይ ናይ ሳተላይት ስእልታት ከምዘመልክቶ፣ ግዳይ’ቲ ብሰንኪ ኲናት ብክልቲኦም ወገናት ዝውንጨፍ ዝነበረ ኣጽዋር ዘይኮነ፣ ብዒላማ ዝተሃርመ ከምዝኾነ’ዩ ዘመልክት ክብል እቲ ማዕከን ሓበሬታ ገሊጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ረዲኤት ናብተን መዓስከር ዝደተኛታት ከይበጽሕ ከልኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ድሕሪ ዝተገብረሉ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ክፈቅድ እኳ እንተኸኣለ፣ እቲ ረዲኤት ውሑድን እዋኑ ዘይሓለወን ብምዃኑ፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ብተላባዒ ሕማማት ተጠቒዖም ከምዘለዉ፣ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሓቢሮም’ዮም።
ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምጅማሩ፣ ኣብ መዓስከር ሕጻጽ ልዕሊ 25 ሽሕ፣ ኣብ መዓስከር ሽመልባ ከኣ ልዕሊ 8 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝነበሩ፣ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Angeb 3 years ago

    ራድኦ ኤርና ናጻ ጋዛጠኛታት አያ ትብል ከምዘይኮነት ግና 100%በርህልና ኣሎ ዝተቀፈዱ ገዲፍካስ ናብ ኻለ ቤራይ ወለደ