ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ኣብ ዘካየደቶ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ፣ 5 ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣልሸባብ ከምዝቐተለት ገሊጻ

Radio Erena: 11 January 2021

ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል፣ ዞባ ሳሓ ወይን፣ ኣብ ዘካየደቶ ደብዳብ፣ ሓሙሽተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣልሸባብ ከምዝቐተለት ገሊጻ።

ሰራዊት ኣመሪካ፣ ብ7 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ሓደ ካብቶም ዝተቐትሉ፣ ኣብ ሶማል ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መዓስከራ ሰራዊት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ዝሃንደሰ ምዃኑ ገሊጹ።

ናይቲ ዞባ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ፣ ሜጀረ ጀነራል ዳግቪን ኣንደረሰን ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ነቲ ሓበሬታ ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ገለ ካብቶም ዝተቐትሉ ብኣመሪካ ብዝልዓለ ክህደኑ ዝጸንሑ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ዓስኪሩ ዝጸንሐ ኣስታት 700 ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊታ ካብ ሶማል ተውጽእ ከምዘላ እኳ እንተገለጸት፣ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት እናተበገሰት፣ ኣልሸባብ ንምህዳን ስርሒታት ክትቅጽሎ ምዃና ኣፍሊጣ’ያ።

ኣዛዚ ሰራዊት ሶማል፣ ጀነራል ዖዳዋ ዮሱፍ ራገ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ በቲ ናይ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ተቐትሉ ሓለፍቲ ኣልሸባብ ሸሞንተ ምዃኖም ብምጥቃስ፣ ሓደ ካብኣቶም ሙክታር ናሮው ዝተባህለ፣ ኣዛዚ ሓይልታት ኣልሸባብ ናይቲ ከባቢ ምንባሩ ኣመልኪቱ።

ኣልሸባብ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቱ በጺሑ ዝብሃል ዘሎ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ዛጊት ዝኾነ መልሲ ኣይሃበሉን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0