ኣብ ሆስፒታላት ኤርትራ ክእለዩ ዝጸንሑ ተወሰኽቲ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ብኣውቶቡሳትን ነፈርትን ናብ ዓዶም ተፋንዮም

Radio Erena: 08 December 2020

ኣብ ሆስፒታላት ኤርትራ ክእለዩ ዝጸንሑ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ዝተወግኡ ተወሰኽቲ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ብኣውቶቡሳትን ነፈርቲን ናብ ዓዶም ተፋንዮም።

ኣብ ሆስፒታላት ተሰነይን ባረንቱን ክእለዩ ዝጸንሑ ኣስታት 200 ዝኾኑ ውጉኣት ወትሃደራት ኢትዮጵያ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣውቶቡሳት ብመንገዲ ሑሙራ ናብ ኢትዮጵያ ተሰጋጊሮም።

ከቢድ መውጋእቲ ዘለዎምን ኣብ ሆስፒታላት ሰንዓፈ፣ ኣስመራ፣ ከረንን ዓዲ ቀይሕን ዝጸንሑ ልዕሊ 80 ዝኾኑ ድማ ብሰሉስ 2 ታሕሳስ ብነፋሪት ናብ ኣዲስ ኣበባ ግዒዞም።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ 29 ሕዳር፣ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ውጉኣት ወትሃደራት ኢትዮጵያን ኣስታት 10 ሬሳን ብነፋሪት ካብ ኣስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝገዓዙ ተቓሊሑ’ዩ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Redae 3 years ago

    Good neighborhood, Eritrea did good job.