ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝጸንሐ ምትፍናን ኣብ ቀረባ ከብቅዕ ትጽቢት ኣሎ ተባሂሉ

Radio Erena: 08 December 2020

ኣብ መንጎ ‘ቲ ብስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት፣ ባሕሬንን ግብጺን በቲ ሓደ ወገን ቀጠር ድማ በቲ ካልእ ዝጸንሐ ዞባዊ ምትፍናን ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ከብቅዕ ትጽቢት ከምዘሎ ብኹሎም ወገናት ይዝረብ ኣሎ።

እዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝጸንሐ ምትፍናን ድሕሪ ሰለስተ ዓመቱ ከብቅዕ ከምዝኽእል ዝግለጽ ዘሎ፣ ብኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ፣ ያሬድ ኩሽነር ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ከካይዶ ድሕሪ ዝቐነየ ዑደት’ዩ።

ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን በብወገነን ኣብ ዝሃብኦ መግለጺታት፣ ዝተኻየደ ዘተ ዝበዝሐ ክፋሉ ዕዉት ብምንባሩ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዝጸንሐ ምክፍፋል ከብቅዕ ዝልዓለ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣንፊተን።

ስዑዲ ዓረብ ዝመራሒተን ሃገራት ዓረብ፣ ንቀጠር ኣብ ናይ ዲፕሎማሲ፣ ቁጠባን ፖለቲካን ከበባ ብምእታው፣ እቲ ቅልውላው ንምፍትሑ11 ነጥብታት ዝሓቖፈ ቅድመ ኩነት’የን ከቕርባ ጸኒሐን።

ክልተ ካብቲ ነጥብታት፣ መደበር ቴሌቪዥን ኣልጀዚራ ክትዕጾን ህላወ ሰራዊት ቱርኪ ኣብ ቀጠር ድማ ከብቅዕን ዝጠልብ’ዩ።

እዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝተራእየ ምክፍፋል፣ ኤርትራ ንእትርከበን ሃገራት ቀይሕ ባሕሪን ቀርኒ ኣፍሪቃን፣ ዲፕሎማስያዊ ርክባተንን መርገጺታተንን ክቐያይራ ኣገዲዱወን’ዩ።

ንሓድሕዶም ዘይቃደዉ መራሕቲ ኤርትራን ጂቡቲን፣ ኣንጻር ቀጠር ደው ብምባል ጸግዒ ስዑዲ ዓረብ ክሕዙ እንከለዉ፣ ሶማልን ሱዳንን ግና ምስሕሓብ ሃገራት ወሽመጥ ብዘተን ዲፕሎማሲን ጥራይ ከምዝፍታሕ ብምእማን፣ ጸግዒ ናይ ዝኾነተ ሃገራት ከምዘይሕዛ’የን ኣፍሊጠን።

ብሰንኩ ድማ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ንሶማልን ሱዳንን ምስ ቀጠር ዝጸንሐን ዝምድና ክበትካ፣ ጸቕጢ ክትገብር ጸኒሓ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0