ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ዝተፈላለየ ጠለባት ካብ ወገን ኤርትራ ዛጊት መልሲ ከምዘይተዋህቦ ተሓቢሩ

Radio Erena: 28 May 2019

 

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጉዳይ ምኽፋት ዶባት፣ ኣጠቓቕማ ወደባት፣ ጉዳይ መንበሪ ፍቓድ ዜጋታት ክልትኤን ሃገራትን ካልእን ዘጠቓለለ ጉዳያት ብዝምልከት ናብ ኤርትራ ዘቕረበቶ ዝተፈላለየ ጠለባት፣ ብወገን ኤርትራ ዛጊት መልሲ ከምዘይረኸበ ሓደ ዲፕሎማሰኛ ሓቢሩ።

እቲ ስሙ ክንዕቅበሉ ዝሓተተ ዲፕሎማሰኛ፣ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ከምቲ ዝተጀመሮ ይኸይድ ከምዘየለ ብምምልካት እቲ ምኽንያት ድማ ብወገን ኤርትራ ዘሎ ምድንጓያት ‘ዩ ክብል ጠቒሱ።

ብወገን ኢትዮጵያ ዝተጻፈፉ መደባትን ዝተዳለዉ ሓይሊ ዕማማትን ከምዘለዉ ብምምልካት፣ ብወገን ኤርትራ ግና ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ምድላዋት ዝበቅዕ ግብረ መልሲ ከምዘይተራእየ ኣስሚርሉ።

ዝመጽእ ወርሒ ሓደ ዓመቱ ዘቑጽር ምቅርራብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ነቲ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ን20 ዓመታት ፈላልዩ ዝጸንሐ መሰረታዊ ጉዳይ ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ኣብ ማዕልብኡ ከብጽሕ’ውን ኣይከኣለን።

ንዝተወሰነ እዋናት ተኸፊቱ ዝነበረ ዶባት፣ ብወገን ኤርትራ ድሕሪ ምዕጻዉ፣ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ዶባት ብሕጋዊ መልክዑ ንምኽፋቱ፣ ናይ ግምሩክን ካልእን ኣሰራርሓ ንምኽፋት ምድላዋት ተካይድ ከምዘላ ክትጠቅስ ጸኒሓ’ያ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    ሱለይማን 5 years ago

    ምስ ኢሳይያስ ዝግበር ዕርክነት ዘላቕነት ከም ዘይህልዎ እኹል ተመክሮ ወሲድናሉ ኢና።

  • comment-avatar
    Joseph 5 years ago

    ኢሳያስ ኣብ ኩነታት ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም ተሓቢዑ ክነብር እምበር ኩናት ይኹን ሰላም ክልቲአን ማዕረ ከምዘጥፍአኦ ኣጸቢቁ ይፈልጥ እዩ: ዳግማይ ናብ ኩናት እንተኣትዩ  ናይ ስልጣን እድሜኡ ከምዘብቅዕ: ሰላም እንተገይሩ ድማ ማእለያ ዘይብሎም ህዝባዊ ሕቶታት ክምልሽ ከምዝግደድ ይፈልጥ ስለዝነበረ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ኩናት ክኣቱ ይኹን ሰላም ክገብር ጨሪሱ ድልየት ኣይነበሮን:: ካብ ቀደማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝቀረበሉ ናይ ሰላም ጻዊዒት መህደሚ ስለዘይነበሮ እታ ሰላም ከይፈተወ ምስተቀበለ ድማ እታ ዝፈረሓ ናይ ኤርትራ ህዝቢ ናይ ዴሞክራሲን ልዕልና ሕግን ሕቶታት ምልዓል ምስ ጀመራ እቲ ከይዲ ሰላም ንቅድሚት ከይስጉም  ብዝተፈላለየ ምስምስ ጅሖ ምሓዙ ዝገርም ኣይኮነን::  ሓደ እምኒ ክልተ ጊዜ እንተዐንቂፉካ እቲ እምኒ ንስካ ኢካ ከምዝብሃል  ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ኢሳያስ ተንኮል መዋእሉ እንዳታለለ ክነብር እንተፈቂዱ እቲ ጌጋ ናይ ኢሳይያስ ክከውን ኣይክእልን:::