ኢትዮጵያ ብግዴታ ዝመለሰቶ ኣብራር ነፋሪት ጂቡቲ፣ “ናብ ጸላኢት ሃገር-ኤርትራ ክኸድዕ ሓሲቡ” ዝብል ክሲ ተመስሪትሉ

Radio Erena: 07 June 2020

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ 20 ወርሒ ሚያዝያ ናብ ጅቡቲ ዝመለሶ፣ ጂቡታዊ ኣብራሪ ነፋሪት፣ ኣቐዲሙ ናብ ኤርትራ “ክኸድዕ” መደብ ኔርዎ ዝብል ክሲ ከምዝተመስረተሉ ፓሪስ ዝመደበሮም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣኽባር ሕጊን ኣማኻሪ መንግስቲን ጂቡቲ፣ ጃማ ሱሌይማን ብቀዳም 6 ሰነ ኣብ ዘቕረቦ ወግዓዊ ክሲ፣ እቲ ፎኣድ ዮሱፍ ዝተባህለ ናይ ልዩተናን ማዕረግ ዘለዎ ኣብራሪ ነፋሪት፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020፣ ነፋሪት ሒዙ ናብታ “ጸላኢት” ዝበላ ኤርትራ ክኸድዕ ምሕሳቡ ጠቒሱ።

ፓይሎት ሓይሊ ኣየር ጂቡቲ ዝኾነ ልዩተናንት ፎኣድ፣ ዑቕባ ንሕታት ብ27 መጋቢት ናብ ኢትዮጵያ’ዩ ሰጊሩ።

እንተኾነ ተሰላሚ ናይ ሰላም ኖቤል ብዝኾነ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 20 ሚያዝያ፣ ብግዴታ ናብ ጂቡቲ ከምዝመለሶ ኣቐዲሙ ብሬድዮ ኤረና ተቃሊሑ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ “ጋቦድ” ኣብ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ፓይሎት ፎኣድ፣ ስድራቤታቱን ጠበቕኡን ክበጽሕ ክኢሎም’ዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ መንግስቲ ጂቡቲ ንዘለዎ ረብሓታት ንምኽሳብ ክብል፣ ኣህጉራዊ ሕግታት መሰል ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብምጥሓስ ነቲ ጂቡታዊ ፓይሎት ብግዴታ ናብ ዓዱ ምምላሱ፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተቓውሞታቶም ይገልጹ።

ብፕረዚደንት ዑመር ገለ ንዝምራሕ መንግስቲ ጂቡቲ ብምቕዋም፣ ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ዑቕባ ንምሕታት ዝፈተነ ፓይሎት ፎኣድ፣ ዜጋታት እታ ሃገር ንዘለዎም ፖለቲካዊ ዘይዕጋበት ዘንጸባርቕ’ዩ ይብሉ ሓያሎ ወገናት።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ሓይሎም 4 years ago

    ናይ ብሓቂ ዕቑባ ክሓትት እንተ ደልዩ ኣብ ኤርትራ ምሕታትዶ ኣይ ምቐለሉን ወይስ ፖለቲካ ኣይ ርድኦን ኢዩ እዚ ኣብራሪ።