ኢትዮጵያ፣ 59 ሰበስልጣን መንግስቲን ነጋዶን ብክሲ ብልሽውና ተኣሲሮም

Radio Erena: 14 April 2019

ኣብ ኢትዮጵያ 59 ሰበስልጣን መንግስቲን ነጋዶን ምስ ብልሽውና ብዝተሓሓዝ ጉዳይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

ፈደራል ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ብሓርቢ 12 ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቶም ሰበስልጣናት፣ ካብ ሰለስተ ትካላት መንግስቲ ሙዃኖም ድሕሪ ምብራህ፣ ካዝና ህዝቢ መዝሚዝኩም ዝብል ክሲ ቀሪቡሎም ከምዘሎ ገሊጹ።

ዛጊት እዞም ካብ ሰለስተ ትካላት መንግስቲ ተኸሲሶም ዘለዉ ሰበስልጣናት፣ ልዕሊ 23 ሚልዮን ብር ብምጥፍፋእ ተሓተትቲ ሙኻኖም ንህዝቢ ተነጊሩ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ስርዓት ኢትዮጵያ ሰበስልጣናት ክፍሊ ሃብቲ ማይ ዝነበሩ 10 ሰባት እውን ብምጥፍፋእ ገንዘብ ህዝቢ ተኸሲሶም ኣለዉ። እቶም ክሱሳት ኣጣፋፊኦሞ ዝበሃል ዘሎ ብዝሒ ገንዘብ 58 ሚልዮን ብር ይበጽሕ።

ካብ’ዞም 59 ብምጥፍፋእ ተኸሲሶም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን፣ 21 ድሮ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም፣ መንግስቲ ጠበቓ ክገብረሎም ሓቲቶም ኣለዉ።

ከምዝዝከር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓላፊ ጸጥታ እታ ሃገር ዝርከቦም 60 ሰበስልጣናትን ዓበይቲ ነጋዶን ብብልሽውናን ምጥፍፋእን ከሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Tesfahans 5 years ago

    Xubuk alekum kexilulu