ኢትዮጵያ፣ ሽዱሽተ ሃገራት ዝሓዋወሰ ካርታ ኣፍሪቃ ብጌጋ ምዝርግሓ ተጻርዮ ከምዘላ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 28 May 2019

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝዘርግሖ፣ ንኢትዮጵያን ሶማልያን፣ ንኮንጎ ኪንሻሻን ኮንጎ ብራዛቪልን ከምኡ ድማ ንሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝሓዋወሰ ካርታ ኣፍሪቃ፣ ብወግዒ ይቕሬታ ሓቲትሉ።

ነቲ ግጉይ ካርታ፣ ካብ ክፍሊ ካርታ እታ ሃገር ከምዝወሰዶ ዝሓበረ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ዝተፈጸመ ጌጋ የጻርዮ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ኢትዮጵያ ዝዘርግሓቶ ግጉይ ካርታ፣ ብዘይካ’ቲ ንሽዱሽተ ሃገራት ምትሕውዋሱ፣ ንርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ድማ ከም ናጻ ሃገር ዝሰኣለ’ዩ።

እዚ ፍጻሜ’ዚ ንመንግስቲ ሶማልያ ከምዘቖጠዐ እኳ እንተገለጸ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብውግዒ ይቕሬታ ምሕታቱን፣ እቲ ፍጻሜ ዝኾነ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘይብሉን ተራ ጌጋ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃሱ ግና መንግስቲ ሶማል ካልእ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፣ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሓወሰ ካርታ ድሕሪ ምዝርግሑ ብወግዒ ይቕሬታ ከምዝሓተተ ዝዝከር’ዩ።

ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት፣ ጋዜጠኛታት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ነጠፍተኛታትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ኢትዮጵያ፣ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሓወሰ ካርታ ክዝርግሑ ብተደጋጋሚ’ዮም ዝርኣዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Ezi Hilmi Nai “TEDEMRENAL” Gena Aiaarefen..silezi gega Zeikone fetene eiu..ni Eritrea ewin fetinomula eyom..bisenki DiktatoRN SHIFTA Issayas.