Radio Erena: Thursday, 18 January 2024
ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ኡጋንዳ እናዛየደ ይመጽእ ኣሎ።
ድሕሪ‘ቲ እባ ሱዳን ዝተወልዐ ኵናትን ኣብ ኢትዬጵያ ንኤርትራውያን ዘጋጥሞም ዘሎ ግፋን ማእሰርቲን፣ ዶብ ኬንያ እናቛረጹ ናብ ኡጋንዳ ናይ ዝውሕዙ ዘለዉ ብዝሒ ኤርትራውያን ምዝያዱ‘ዩ ተመልኪቱ።
ራድዮ ኤረና፣ ኣብ ካምፓላ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ብምውካስ ኣብ ዝኣከበቶ ሓበሬታ፣ እታ ከተማ ኣብዚ እዋን‘ዚ፣ ብኤርትራውያን ኣዕለቕሊቓ ምህላዉ‘ዮም ዝጠቕሱ።
ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ከተማ ካምፓላ፣ ንጥፈታት ኤርትራውያን ግሉሕ‘ዩ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ ካብ ተራ ኣብያተ ሸቐጥን ዱኳናት፣ መፍረ ሕብስቲ፣ ኣብያተ መግቢ፣ ሆቴላት፣ ክራይ መካይን፣ ካልእን ክሳብ ‘ቲ ዝዓበየ ወፍሪ ኣብ ምልኣኽን ምእታውን ዝሽየጥ ነገራት ከምዘለዉ‘ዩ ይገልጹ።
ኣብ ርእሲ‘ዚ፣ ብናይ ምጥርናፍ ስድራቤታት ይኹን ካልእ ዕድላት፣ ካብ ኡጋንዳ ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝሰጋገሩ ዘለዉን ኣብ ትጽቢት ዝርከቡን ቁጽሮም ቀይሊል ኣይኮነን።
ክሳብ መወዳእታ 2022 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ብዝሒ ኣብ ኡጋንዳ ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን 27 ሽሕ ምንባሩ‘ዩ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝሕብር።
እንተኾነ፣ እዚ ኣሃዝ‘ዚ ነቶም ነቶም ብፓስፖርት ኣትዮም፣ ዝኾነ ናይ ዑቕባ መስርሕ ከይሓተቱ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣየጠቓልልን‘ዩ።
ኣብ ከተማ ካምፓላ፣ ናይ ስደተኛታት ይኹን ካልእ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይሓዙ ኤርትራውያን‘ውን ብዙሓት ምዃኖም ይፍለጥ።
ምስ ብዝሒ ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ ተተሓሒዙ፣ ንመርዓ፣ ምርኻብ ስድራቤታት፣ ዑደትን ካልእን፣ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ናብ ከተማ ኡጋንዳ ብብዝሒ‘ዮም ዝመላለሱ።
ብመንጽር እዚ ክርአ እንከሎ፣ እታ ንኤርትራውያን ብዘይ ቪዛ ክኣትዉ እትፈቅድ ኡጋንዳ፣ ኤርትራውያን፣ ኣብ ንግዲ፣ ወፍሪ፣ ሓዋላን ዑደት፣ ቱሪዝምን ካልእን ካብ ዝገብርዎ ምንቅስቓሳት፣ ዓመታዊ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ትሓፍስ ከምዘላ ይግመት።
ስእሊ፦ ከተማ ካምፓላ ካብ አርካይቭስ ኢንተርነት
===============
COMMENTS