ኡጋንዳ፣ ብሰንኪ ዕልቅልቕ ብውሕዱ 24 ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 04 August 2022

ኣብ ኡጋንዳ፣ ዝወረደ ሓያል ዝናብ ዝፈጠሮ ዕልቅልቕ ኣብ ሰብን ንብረት ከቢድት ጉድኣት ኣውሪዱ።

ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ እታ ሃገር፣ ክልተ ዓበይቲ ሩባታት ብምፍርሽሑ፣ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሓያሎ ቁሸታት ስለዘዕለቕለቐን፣ ብውሕዱ 24 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ ኣሽሓት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ልዕሊ 2 ሽሕ ሄክታር ዝግመት ሕሩስ መሬት ክብሕጎግ እንከሎ፣ ዛጊት ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ከብትን ጤሌበጊን ብውሕጅ ተወሲዶም።

ሓያሎ ኣባይቲን ትሕተ ቅርጺ ወሃቢ ኣገክልግሎታት ማይን ብምዕናዉ፣ ኣስታት 400 ሽሕ ዝግመት ህዝቢ ዝስተ ማይ ንምካብ ተጸጊሙ ኣሎ።

ትካላት ግብረ ሰናይ፣ ህይወት ኣብ ምድሓንን ኣብ ከቢድ ጸገም ንዝወደቑ ኣብ ምርዳእን ይጓየያ ምህላወን መርበባት ዜና ካብ ካምፓላ ሓቢረን።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    May thier soul rest in peace