መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ኣቋሪጽዎ ዘሎ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብዝቀልጠፈ ክጅምር ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ጸዊዖም

Radio Erena: 05 August 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ ኵናት ተተሓሒዙ፣ ናብ ትግራይ ኣቛሪጽዎ ዝርከብ ከም ቴሌፎን፣ ኤሌክትሪክን ባንክን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክጅምር፣ ኣብ መቐለ ምብጻሕ ዘካየዩ ፍሉያት ልኡኻት ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ጸዊዖም።

እቶም ፍሉያት ልኡኻት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ድሕሪ ዘካየድዎ ምብጻሕ፣ ብ2 ነሓሰ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፣ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዘተ ሰላም ከካይዶ ወሲዶሞ ንዘለዉ ተባዕ ተበግሶ ኣሞጊሶም።

ኣቐዲሙ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተበጽሐ ምርድዳእ መሰረት፣ ናብ ትግራይ ተቛሪጹ ዘሎ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብቅልጡፍ ናብ ንቡር ክምለስ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብቲ መግለጺ ኣተሓሳሲቦም።

ተቛሪጹ ዘሎ ኣገልግሎታት ንምጅማር፣ ቴክኒካዊ ስራሕ ንምስላጥ ናብ ክልል ትግራይ ንዝኣትዉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንድሕነቶም ምሉእ ውሕስነት ክህብ ምዃኑ ዘረጋገጽ ደብዳቤ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ፣ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብመንገዲ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ከምዝተላእከ እቲ ሓባራዊ መግለጺ ብተወሳኪ ኣመልኪቱ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ህጹጽ ረዲኤት ናብ ዘድልዮ ከባቢታት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፈርን ብዘይዕንቅፋት ክበጽሕ ብምትሕስሳብ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን፣ ብብኵናትን ደረቂን ንዝተሃስዩ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ቅሩባት ምህላዎም ኣረጋጊጾም።

ተሓታትነት ቀንዲ መሰረት ዕርቂ’ዩ ዝበለ እቲ መግለጺ፣ ኩሎም ወገናት ተጻብኦታት ንምውጋድ፣ ጽልኢን ቅርሕንትን ዝጽሕትር መደረታት ካብ ምትእንጋድ ክቑጠቡ ተላብዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0