ኖርወይ፣ ካብ ግዱድ ዕስክርና ሃዲሞም ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን፣ ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ምምስራት ሳዋ፣ ጽምብል ምክያዶም ኣዛራቢ ኮይኑ

Radio Erena: 04 September 2019

ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ግዱድ ዕስክርና ሃዲሞም፣ ኣብ ኖርወይ ዑቕባ ዝሓተቱ፣ ኤርትራውያን ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ምምስራት ሳዋ፣ ጽምብል ዘካየየዱ ኤርትራውያን ኣዛራቢ ኮይኑ።

ማዕከናይ ዜና ኖርወይ ብዘቕርብኦ ዘለዋ ሓበሬታ፣ እቶም ኤርትራውያን፣ ወትሃደራዊ ልብሲ ወድዮም ባንዴራ ኤርትራ እናምበልበሉ፣ ምስቲ ናብታ ሃገር ዑደት ዘካይድ ዝነበረ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብ ክስኣሉን ወዛሕዛሕ ክብሉን፣ ምስቲ ዑቕባ ንምሕታት ዘቕረብዎ ምኽንያት ዘይሳነ’ዩ ክብላ’የን ዝጠቕሳ።

ገሊኦም ካብቶም ዑቕባ ዝሓተቱ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዜግነት ወሲዶም እኳ እንተኾኑ፣ ኖርወይ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ሒዛቶ ዝጸንሐት ፖሊስ ክትፍትሽ ዘገድድ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣገንዚቦም።

ነርወይ ኣቐዲማ፣ ዑቕባ ሓቲቶም ከብቅዑ ብመንገዲ ሱዳንን ናብ ኤርትራ ንዝመላለሱ ኤርትራውያን ንምቑጽጻር፣ ዝወሃቦም ናይ ስደተኛታት ናይ መገሻ ሰነድ፣ ኣብ ርእሲ ናብ ኤርትራ፣ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን’ውን ከይበጽሑ ዝእግድ’ዩ።

ስዊዘርላንድ ኣቐዲማ፣ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ሓቲቶም ናብ ኤርትራ ንዝመላለሱ ኤርትራውያን ትከታተልን፣ ናይቶም ናብ ኤርትራ ከምዝበጽሑ ዝተረጋገጸ ድማ ናይ ዑቕባ መሰሎም ከምዝሰረዘትን ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 6
  • comment-avatar
    ወዲ ቡላ 5 years ago

    እቶም አብቲ ዉራይ ዝነበሩን 2ተ ካብ 100 ከፊሎም ኤርትራ ዝበጽሑን ናብቲ መንግስትና ዝብልዎ ዲግታቶር ኪምለሱ ኣለዎም።

  • comment-avatar
    Berhane Haile 5 years ago

    ሕጂ ክንሰንፍ የብልናን። ኣበርቲዕና ብምስራሕ ናብ መንግስቲ ኖርወይ ምሕጽንታ ወይ ፔቲሽን ክነቕርብ ኣለና።

  • comment-avatar
    Michael 5 years ago

    I wish all those entrained because have their citizens and refugee paper has to be taken from them. Because they don’t Care about others. There are many in prison, other suffering different countries they have no right. But those guys they are nothing just living for themselves like animals predators hunting others.

  • comment-avatar

    HGDEF supporters any where in the world who have been granted Political asylum should now be exposed for claiming that HGDEF was the reason for making their life unbearable in Eritrea. Now that they are being video taped and photographed dancing and celebrating HGDEF festivals together with HGDEF, The claim the put as a reason for seeking political asylum MUST have been falls and deceitful, which is punishable by deportation among other things.

  • comment-avatar
    ኣማኒኤል 5 years ago

    ሕጂ ግርም፡ ባሃማት ብህግደፍ ክልተ ግዜ ክጽፍዑ እንኳዕ ኣርኣየና። ኣነስ እግረይ ዳኣ ትሰበር ክብሉ ከብዶም ሓቚፎም ይሓድሩ ኣለዉ፡ ብርቱዕ ስራሕ ደለይቲ ፍትሒ ተድሊ ሕጂ። ተሓኒቖም ናብ ባርነቶም ይመለሱ።