ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ ዝርከባ ዓድታት ጽዑቕ ተፍቲሽ ተኻይዱ

Radio Erena: 04 September 2019

ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ ዝርክከባ ዓድታት፣- እምባለኻ፣ ዓደጣል፣ ኣሮሞ፣ ክሳድ እምባን ኣግሩፍን፣ ጽዑቕ ተፍትሽ ከምዝተኻየደ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ወተሃደራት መንግስቲ ኤርትራ፣ ብ2 መስከረም፣ ኣብዘን ዓድታት ገዛ ገዛ እናኣተዉ፣ ጽዑቕ ተፍትሽ ከምዘካየዱ ዘረጋገጹ እቶም ምንጭታት፣ ካብ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ኢሮብ ንዝኣተዉ ሰባት ኣስማቶምን ምሉእ መንነቶም ክምዝግብዎም ከምዝወዓሉ ኣፍሊጦም።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ካብ ሰንዓፈ ክሳብ ሰርሓ፣ ዝወስድ መንገዲ ጽኑዕ ሓለዋን ተፍትሽን ይካየደሉ ምህላዉ’ውን ተፈሊጡ።

ዕላማ እቲ ተፍትሽን፣ ብመንገዲ ኢትሮም ንዝኣተው ምምዝጋብን ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፣ ዶብት ብምዕጻው፣ ህዝቢ ብመንገዲ ሽመጃና ኣቢሉ፣ ኣእዱግ እናጸዓነ መግብታትን ሃለኽቲ ነገራትን ይሽምት ብምህላዉ፣ ንምቁጽጻሩ ዝተኻየደ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ድሕሪ’ዚ ዝተኻየ ናይ ሓደ መዓልቲ ተፍቲሽ፣ ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ፣ ዋጋታቱ ብተዛማዲ ጎዲሉ ዝጸንሐ መግብን ሃለኽቲ ነገራትን ንሂሩ ከምዘሎ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት ኣገንዚቦም።

ካብ 2 መስከረም ኣትሒዙ፣ ዋጋ ሓንቲ ባኒ ናብ 3 ናቅፋ፣ ኣቐዲሙ ን 5 ሊትሮ ዘይቲ 160 ናቕፋ ዝነበረ ናብ 250 ክሳብ 300 ናቕፋ፣ ዋጋ ፍርቂ ኩንታል ፊኖ ድማ ብዕጽፊ ብምዝያድ ናብ 1200 ናቕፋ ደይቡ ኣሎ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብቲ ከባቢ፣ ካብ ሰንዓፈ ናብ ሰርሓን ህዝቢ ከመላልሳ ዝጸንሓ ናይ ብሕቲ መጓዓዝያ፣ ደው ክብላን፣ ብህግደፍ ዝውነን ትካል መጓዓዝያ ሓራት ክትክኣን ትእዛዝ ከምዝተመሓላለፈ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ ጽዑቕ ተፍትሽ ዘካይድ ዘሎ፣ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ክጽገን ዝጸንሐ ጽርግያ፣ ኣብ እዋን በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ ክምረቕ’ዩ ዝብል ወረ ኣብ ዝናፈሰሉ ዘሎ ዕለታት’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar

    መልስናዶ፡ ሃየ በሉ እንሃልኩም።
    ኣብዛ ሓላል መሬትና ኤርትራ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ናይ ልምዓታዊ መደባት ይካየድ ኣሎ። ብመን ንዝብል ሕቶ በቶም ተጸሚሞም ክሰርሑ ዝጸንሑን ዘለዉን መናእሰያታ። ብመሪሕነት ህግደፍን መንግስቲ ኤርትራን። ዜናኹም ግን ነዚ ዓቢ ስራሕ መናእሰይ ኤርትራ ኣፋዂስካ ዘሎን ዘየሎን ሕማቕ ወረታት ኣጋኒንካ ምቕራብ ጥራይ እዩ።
    እቲ ጽቡቑ ግን፡ ንስኻትኩምን ከምዚ ከማኹምን ተጻባእትና ሙኻንኩም’ዩ። መዋእልኩም ዕንገረር፡ ምባል እንተዘይኮይኑ ስድሪ’ውን ትኹን ፍሑኽ ዘይትብሉ፡ ኣብዕንክሊል ትነብሩ ምዃንኩም እዩ።

  • comment-avatar
    Tomas haile 5 years ago

    Nana teweledti Senafe miti eltwi nrkbo hzbi tgray kemzkikewin ayndlin beti amxi srat hzbna ytefi ale