ንጉስ ስዋዚላንድ፣ ን15 ኣንስቱን 23 ደቂን፣ ዋጋ 16 ሚልዮን ዶላር መካይን ብህያብ ኣበርኪቱ

Radio Erena: 14 November 2019

ንጉስ ስዋዚላንድ፣ ምስዋቲ ሳልሳይ፣ ን15 ኣንስቱን 23 ደቁን፣ ዋጋ 16.6 ሚልዮን ዶላር መካይን ብህያብ ኣበርኪቱሎም።

እቲ ንጉስ፣ 19 ሮልስ ሮይስ፣ 120 ድማ BMW ዝዓይነትን ናይ መጋየጺ መካይን ንስድራቤቱ ብህያብ ምብርካቱ፣ ኣብታ ሃገር ኣዛራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ከምዘሎ ሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ሓቢራ።

ቁጠባ እታ ሃገር ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ዘንቆልቁለሉ ዘሎ እዋን፣ እቲ ንጉስ ምስ ስድራቤቱ፣ ንመጋየጺ 10ታት ሚልዮናት ምብኻኑ ዘቆጥዖም ዜጋታት እታ ሃገር፣ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዘካየዱ እቲ ምንጪ ጠቒሱ።

ብምሕሻሽ ዝተፈልጠ፣ ንጉስ ናይዛ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር፣ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ኣብ ባንክታት ሃገራት ምዕራብ ከዚኑ ከምዘሎ ይውቀስ።

ስዋዚላንድ፣ ብደቡብ ኣፍሪቃ ተኸቢባ እትርከብ፣ ብንግስነት እትመሓደር ንእሽቶ ግዝኣት ኮይና፣ ኣስታት 1.3 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኣለዋ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    mekonnen temelso 4 years ago

    audio zena keltifu ayrkebn eyu