ኣመሪካ ምስ ደቡብ ሱዳን ዘለዋ ዝምድና ዳግመ ገምጋም ክትገብረሉ ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 15 November 2019

ምምሕዳር ትራምፕ ምስ ደቡብ ሱዳን ዘለዎ ዝምድና ዳግመ ገምጋም ክገብረሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ምምሕዳር፣ ብ13 ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ክልትኢም ውገናት ደቡብ ሱዳን፣ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ከቑሙ ብዘይምኽኣሎም ዝተሰምዖ ዘይዕጋበት ብምግላጽ፣ ንዝጸንሖ ዝምድና ዳግመ ገምጋም ክገብር ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ደቡብ ሱዳን፣ ን12 ሕዳር ክቐውም ዝተመደበ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ብስምምዕ ፕረዚደንትን ሳልቫ ኪርን መራሒ ተቓወምቲን ሬክ ማቻርን፣ ብሰለስተ ኣዋርሕን 10 መዓልታትን ክናዋሕ ወሲኖም።

እቲ ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ዝተበጽሐ ምርድዳእ፣ ደገፍ ሕቡራት ሃገራት ክረክብ እንከሎ፣ ኣመሪካ ግና ንጹር ተቓውማኣ ኣስሚዓ ኣላ።

ዞባዊ ውድብ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ንሕቡራት ሃገራት ብምድጋፍ ነቲ ምንዋሕ ከምዘይቃወሙ ዝግመት እኳ እንተኾነ፣ በብወገኖም ዝሃብዎ ወግዓዊ መግለጺ ግና የለን።

ምንዋሕ ምቛም ናይ ልፍንቲ መንግስቲ፣ ንጸጥታን ካልእን ዝምልከቱ ኣብ ግብሪ ዘይወዓሉ ቅድመ ኩነታት፣ ዝያዳ ምርድዳእን ስምምዓትን ክብጽሓሎም ዕድል ዝህብ ምዃኑ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣመሪካ፣ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ 12 ሕዳር ክቐውም እንተዘይክኢሉ፣ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር እገዳ ከተጽንዕ ምዃና ኣጠንቂቓ’ያ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0