ንክልተ ቅነ ኣብ መርከብ ዝጸንሑ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 160 ስደተኛታት፣ ሽዱሽተ ሃገራት ኤውሮጳ ክቕበልኦም’የን

Radio Erena: 16 August 2019

ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም፣ ንክልተ ሰሙን ኣብ መርከብ ዝጸንሑ፣ 31 ቆልዑ ዘለዎም 160 ስደተኛታት፣ ሽዱሽተ ሃገራት ኤውሮጳ ክቕበልኦም ከምዝተሰማምዓ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሰፐ ኮንተ ኣፍሊጡ።

እቶም ስደተኛታት፣ ቅድሚ ክልተ ሰሙን፣ Open Arms ብዝተባህለት መርከብ ትካል ግብረ ሰናይ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ክድሕኑ እኳ እንተኸኣሎ፣ ትቕበሎም ሃገር ብምስኣኖም፣ ካብታ መርከብ ክወርዱ ይኹን ናብ ገማግም ባሕሪ ሃገራት ኤውሮጳ ክጽግዑ ኣይከኣሉን።

ካፒተን ናይታ መርከብ፣ ብውሕዱ ነቶም ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ቆልዑ፣ ህጹጽ ቆላሕታ ብምግባር ኣብ ስጳኛ ናይ ዑቕባ መስርሕ ክጅመረሎም ዘቕረቦ ጥርዓን፣ ብመንግስቲ ስጳን ክንጸግ’ዩ ጸኒሑ።

እንንተኾነ ቀ/ሚ ኢጣልያ ብዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቶም ኣብ ሰንፈላል ዝጸንሑ ስደተኛታት ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ስጳኛ፣ ፖርቱጋልን ሮማንያን ክቕበልኦም ተሰማሚዐን ኣለዋ።

ኣብዚ 14 መዓልታት፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ካብ ዝተበገሳ ጀላብ ዝደሓኑ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 500 ስደተኛታት፣ ዝቕበልኦም ሃገራት ስኢኖም ኣብተን ዘድሓንኦም መራኽብ ከምዝጸንሑ ጸብጻብ ኣሶሸትድ ፕረስ ካብ ሮማ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣስታት 300 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብምጥሓላ፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ 150 ሰባት ሞይቶም’ዮም።

ድሕሪ’ዚ ሓደጋ’ዚ፣ ሓያሎ ትካላት ግብረ ሰናይ መራኽብ ብምውፋር፣ ህወይት ኣብ ምድሓን ተዋፊረን እኳ እንተለዋ፣ ዝቕበልኦም ሃገራት ኣብ ምርካብ ግና ከቢድ ብድሆ ገጢሙወን ይርከብ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ኤርትራ