ንኣስታት 5 ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ተዓጊቶም ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምምላስ ልዕሊ 6 ሽሕ ብር ክኸፍሉ ይግደዱ

Radio Erena: 19 August 2020

ኣብ ኢትዮጵያ ንኣስታት 5 ኣዋርሕ ተዓጊቶም ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤርትራ ንምምላስ ልዕሊ 6 ሽሕ ብር ይኸፍሉ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ካብን ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክካየድ ዝጀመረ በረራታ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ደው ድሕሪ ምባሉ፣ ንሕክምና፣ ስድራቤት ንምርኣይን ካልእ ጉዳያትን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ኣማኢት ኤርትራውያን መምለሲ ስኢኖም፣ ተዓጊቶም ከምዘለዉ ክቃላሕ ጸኒሑ’ዩ።

ብዙሓት ካብቶም ኤርትራውያን፣ ንኸቢድ ክሳራታት ተቓሊዖም ብምህላዉ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ ብክልል ትግራይ ኣቢሎም፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤርትራ ንምምላስ ዝተፈላለየ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ’ዮም ዝርከቡ።

እቶም ኣስታት 5 ሽሕ ብር ከፊሎም ብሚኒባሳት፣ ታክስን ናይ ውልቂ መካይንን፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ክልል ትግርይ ድሕሪ ምእታዎም፣ ካብ ከባቢ ዓዲ ግራት ዶባት ኤርትራ ንምስጋር ድማ ተወሳኺ ኣስታት 1200 ብር ክኸፍሉ ከምዝሕተቱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ ድሕሪ ዘውጽኦ ኣዋጅ፣ ካብን ናብን ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ዝካየድ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ደው ኢሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር ንሚስጢራዊ ተልእኾታትን ምብጽጻሕ ሰበ ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ብተደጋጋሚ ክዓልባ ከምዝርኣያ ናይ ዓይኒ መሰኻክር የረጋግጹ።

ስእሊ፣- ዓዲ ግራት (ኣርካይቭስ ኢንተርነት)

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 5
  • comment-avatar
    መብራህቱ 4 years ago

    “ኣብ ኤርትራ ጥምየት ኣሎ” እንዳተባህለ ደኣ እንታይ ክገብሩ ናብ ጥምየት ይምለሱ’ለዉ ደቀይ?

  • comment-avatar
    ሚኪ 4 years ago

    እንቋዕ ከምዚ’ኢልኩም ለኽበጥበጥ ክትብሉ ረኣናኩም።
    ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ምውጻእ ከሊእዎ፡
    ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ጥምየት ወዲእዎ፡
    ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ኣሎ ዝብሃል ክፉእ ጌርዎ ዶ ክትብሉ ኣይከረምኩምን።
    ሕጂ ደኣ፡ ንምንታይ ተገልቢጥኩም፡ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ንኽምለሱ 6,000.00 ብር ከፊሎም ንኤርትራ ይምለሱ ኣለዉ ትብሉና። ኣብ ኤርትራ ጥምየት ከምዘሎ ኣይነገርኩሞምን ዲኹም። ወረ እቲ ጭፍሉቕ መራሒኹምን መራሒ ትግራይን (ደብረሸይጣን) ኤርትራውያን ትግራይ ክትቅመጡ ትኽእሉ ኢኹም ኢሉ ዶ ኣይበልኩምናን።
    ጌና ጌና፡ ሻዕብያ ትፋእኽን ከልምጸክን’ዩ። ሞሻሙሽ።

  • comment-avatar

    ኣታ ገሊኡ ሰብሲ እታ ኣእምሮኡ ክትንእስ መዓት እያ ኣታ comment ጺሒፍካ ዘሎኻ እንታይ ማለትካ እዩ ካን ብሓደ ኣፊቱ ድዩ ስድራኡን ናብርኡን ክገድፍ ስድርኡ ኣብኡ እንተ ሃለዉ’ኸ እንታይ ይግበር ወረ በጃኻ ኣእምሮኻ ኣስረሓዮ ጥሜት ከም ዘሎ ደኣ እንታይ ካብ ኤሬና ምንጋር ደሊኻሉ፡ እውይ በጃኹም ኣሕዋተይ ኣእምሮ ንግበር

  • comment-avatar

    ኣታ እዚ ገሊኡ ሰብሲ ኽንደይ ትንእስ እያ እታ ኣእምሮኡ እሞ እንታይ ክገብር ደሊኻዮ ስድራኡ ቤተ ሰቡን ኣብታ ዝፈትዋ ዓዱ እለዉ ናብኡ ክምለስ እዩ እምበር እንታይ ደኣ ካን ብሓደ ኣፉ ኩሉና ዲና ክንርሕቕ ካብ ዓድና ኣይኮነንን ዝሓወይ በጃኻ ኣእምሮኻ ኣስረሓዮ፡ ጥሜት ከም ዘሎ ኸኣ ካብ ኤሬና ምንጋር ኣየድልየካን እዩ በጃኻ ኢለካ ሕሰብ ጽባሕ ከይትጠዓስ ትብሎን ትገብሮን ፍለጥ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ እዪም ዝዛረቡ ዝለዉ

  • comment-avatar
    Beker Segeb 4 years ago

    Shabia will always win and those disseminating false propoganda will fail. It is a matter of time that Eritrea under Shabia will prosper. Please don’t lie it will take you no where . Serve the people not against the people.history is recording