ኣመሪካን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣካይደን

Radio Erena: 19 August 2020

ኣመሪካን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ኣብ ክሊ ማያት ዓረብ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከምዘካየዳ ማእከላይ እዚ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

እቲ ክሳብ 17 ነሓሰ፣ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝተኻየደ ሓባራዊ ወትሃድራዊ ልምምድ ንሓይልታት ባሕርን ኣየርን ዘጠቓለለ’ዩ።

ዕላማ እቲ ልምምድ፣ ኣብቲ ዞባ ከጋጥም ንዝኽእል ተጻብኦታት ሓባራዊ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንምዕባይ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ክልትኤን ሃገራት ከም ቀንዲ ስግኣት ዝጥምትኣ፣ ኣብቲ ዞባ እትርከብ ኢራን፣ ኣቐዲማ በይናዊ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ልምምድን ፈተነ ሚሳይላትን ከምዘካየደት ተሓቢሩ’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0