ቻይና፣ 300 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ ኢንዱስትርያዊ ፓርክ ኣብ ኢትዮጵያ ክትሃንጽ’ያ

Radio Erena:- 15 August 2019

ቻይና፣ ልዕሊ ርብዒ ቢልዮን ዶላር ዝተገመተ ኢንዱስትርያዊ ፓርክ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ኣዳማ ክትሃንጽ ምዃና ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ኤምባሲ እታ ሃገር ሓቢሩ።

ኣገልግሎት ዜና ቻይና ሺንሁዋ ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ፓርክ፣ ኣብ ምፍራይ ኣቑሑ ንዘድህባ ትካላት፣ ንወፍሪ ዝዕድም ኮይኑ፣ 85% ናይቲ ባጀት ብቐጥታ ካብ መንግስቲ ቻይና ብዝርከብ ልቃሕ ክምወል’ዩ።

እቲ ዝተረፈ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክምውሎ’ዩ።

እቲ ኣብ 100 ሄክታር ስፍሓት መሬት ዝድኮን ኢንዱስትርያዊ ፓርክ፣ ንልዕሊ 25 ሽሕ ዜጋታት ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር ትጽቢት ይግበረሉ።

ምህናጽ እቲ ፓርክ ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት እዚ ጀሚሩ ኣብ 2025 ክዛዘም መደብ ተታሒዝሉ ኣሎ።

ኣቐዲሙ፣ ኣብታ ከተማ፣ መንግስቲ ቻይና ዝመወሎ 146 ሚልዮን ዶላር ልቓሕ፣ ኢንዱስትርያዊ ፓርክ ተሃኒጹ ኣብ ጥቅምቲ 2018 ከምዝተመረቐ ይዝከር።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ህንጻ፣ መጓዓዝያን ንድግን ዘተኮረ ሓያሎ ወፍርታት ተካይድ እኳ እንተላ፣ ዝበዝሐ ምወላታት ካብ መንግስቲ ቻይና ብዝርከብ ዘሎ ቢልዮናት ዶላር ልቃሕ ይካየድ ብምህላዉ፣ ነታ ሃገር ግዳይ ቁጠባዊ ጸቕጢን፣ ጽግዕተኛ ቻይናን ከይገብራ ተንተንቲ ቁጠባ እታ ሃገር የጠንቅቑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Hgdef mendef