ብቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝተረቑሑ ሓለፍቲ ክልል ትግራይ፣ ብዛዕባ ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝተገራጨወ መግለጺታት ይህቡ

Radio Erena: 05 January 2021

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ዝተረቁሑ፣ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ክልል ትግራይ፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዘሎ ክኽሕዱ’ዮም ጸኒሖም።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ዘሎ ኵናት፣ መንግስቲ ኤርትራ ንዝገበረሉ ውዕለት ብወግዒ እኳ እንተመስገነ፣ ሰራዊት ኣብቲ ኵናት ምእታውን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ትግራይ ከምዘሎን ግና ኣየነጸረን።

ይኹን’ምበር፣ ግዝያዊ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኮይኑ ዝተረቑሐ ኣታኽልቲ ሃይለስሳሌ፣ ምስ ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዘሎን፣ እቲ ሕቶ መዓስን ብኸመይን ከምዝወጽእ ኮይኑ ምህላዉን ኣረጋጊጹ።

ሓንቲ ሉኣላዊት ሃገር፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያ ንዝተፈጥረ ጸገም፣ ብሓገዝ ወትሃደራዊ ሓይሊ ጎረቤት ሃገራት ክትፈትሖ ምፍታና፣ እቲ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ብቀሊሉ ክፍታሕ ናብ ዘይክእልን ነባሪን ጽልኢ ጎረባብቲ ህዝብታት ዘሰጋገረ ሓደገኛ ስጉምቲ ምዃኖም’ዮም ዝተፈላለዩ ወገናት ትንታነታቶም ዝህቡ።

ኣብ ሽረን ከባቢኣን ኣብ ዝቖመ ዝተፈላለየ ናይ ተፍትሽ ነቑጣታት፣ ብኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ይሕሎ ከምዘሎ ኣቐዲሙ ብራድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተወልዐ ኵናት ከምዝተሳተፈን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ትግራይ ከምዘሎን’ውን ብሰፊሑ ዝፍለጥ’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    መንሱር 3 years ago

    ሕጂ ኣይኮነን ነባሪ ጽልኢ ተመስሪቱ ናይ ቀረባ ተዘክሮታታ ብ1998 ኣብ ዝተወልዐ ኹናት ሂወተ ኣሽሓት መንእሰያተ ዝበልዐ ልዕሊ 70,000 ሸሕ ንጹህ ህዝቢ ብሰንኪ ዓይኒ ሕብሩ ዝተከላበተ ተረሲዑ ዲዩ ሕጂ ነባሪ ጽልኢ ትብሉ: ዓገብ በጃካትኹም ፍትሒ ዘለዎ ዘረባ ተዛረቡ

  • comment-avatar
    Lemlem 3 years ago

    That’s good news but the thing you’re saying Eritrea soldiers in ethiopia that’s a big lie untrue and thank you