ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ክቕጽል ተወጢኑ ዝነበረ ዘተ ኣጠቓቕማ ናይል፣ ሱዳን ካብ ምስታፍ ቦኺራ

Radio Erena: 05 January 2021

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ክቕጽል ተወጢኑ ዝነበረ ዘተ ኣጠቓቕማ ናይል፣ ሱዳን ካብ ምስታፍ ስለዝቦኸረት ተሰሪዙ።

ኣብቲ ን3ን 4ን ጥሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝተወጠነ ዘተ፣ ወኪልቲ ግብጺ፣ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን እኳ እንተተረኽቡ፣ ወኪሉ ሱዳን ግና ብዘይዝኾነ ቅድመ ሓበሬታ ኣይተረኽበን።

ሱዳን ካብዚ ዘተ ዝቦኸረትሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዶባተን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ ምትፍናን’የን ዝርከባ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0