ብሩንዲ፣ ፕረዚደንት ስልጣኑ ክሓድግ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላርን ቪላን ክወሃቦ ሓቲቱ

Radio Erena: 24 January 2020

ን15 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ብሩንዲ፣ ፒየር ንኩሩንዚዛ ስልጣኑ ክሓድግ፣ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላርን መጋየጺ ዘለዎ ዘመናዊ ቪላን ክወሃቦ ዝብል እማመ ከምዘቕረበ ማዕከናት ዜና ካብ ርእስ ከተማ ብጁምብራ ሓቢረን።

እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ እንተተኣልዩ፣ ኣብ ርእሲ’ዚ ዘቕረቦ ጠለባት፣ ናይ ጡረታ መሰልን ካልእ ሓለፋታት’ውን ክማልኣሉ’ዩ።

ሓገግቲ ኣካላት እታ ሃገር፣ እቲ ብፕረዚደንት ዝቐረበ እማመ ከምዝተቐበልዎ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ነቲ ፕረዚደንት ዝወሃብ ገንዘብ፣ ካብ ግብሪ ህዝቢ ዝተኣከበ’ዩ።

ኣብ 2005 ናብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ፒየር ንኩሩንዚዛ፣ ናይ ግዜ ገደብ ንዘይብሉ እዋናት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዘኽእሎ ባይታ ንምጥጣሕ፣ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ንዝሰፈረ ዓንቐጽ ምርጫ ከምዝቐየሮ ይዝከር።

ብመሰረት እቲ ዓንቀጽ፣ ሓደ ፕረዚደንት ካብ ክልተ እዋን ንላዕሊ ንምርጫ ኣይወዳደርን ዝብል እኳ እንተነበረ፣ እቲ ፕረዚደንት እቲ ናይ ምርጫ እዋናት ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ’ዩ ቀይርዎ።

ብመሰረት ተሰሪዑ ዘሎ መደብ ድማ ብሩንዲ፣ ኣብ ወርሒ ግንቦት ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምርጫ ከተካይድ’ያ።

ንሳልሳይ እዋኑ ክወዳደር ምዃኑ ተገሚቱ ዝነበረ ፕረዚደንት ፒየር ንኩሩንዚዛ ግና ኣብዚ ምርጫ ከምዘይሳተፍን ስልጣኑ ብናይ ህዝቢ ምርጫ ንዝመጽእ ዜጋ ብሰለማዊ መንገዲ ከሰጋገር ምዃኑን ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፣ ስልጣኑ ኣብ ዝለቐሉ፣ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላርን ኣብ ዝመረጾ ቦታ ድማ መጋየጺ ዘለዎ ዘመናዊ ቪላን ክወሃቦ እማመ ኣቕሪቡ።

ብወትህደራዊ ዕልዋታትን ኣብ ምርጫ ብዝዝረኣዩ ጎንጽታትን ላሕ ዝበለት ህዝቢ ብሩንዲ’ውን፣ ብወከልቱ ኣቢሉ ንጠለብ እቲ ፕረዚደንት ከማልእ ከምዝተሰማምዐ’ዩ ዝንገር።

ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለም ዝኾነት ብሩንዲ፣ ልዕሊ 60% ካብ ህዝባ፣ መዓልታዊ እቶታት ካብ ሓደ ዶላር ዘይሓልፍን ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ዝነብርን ምዃኑ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ባንክ ዓለም ይጠቕስ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Anta nihna 10 million and 10 villa mihabnayo nezi natina