ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ምግሃስ መሰላት እትምርምር ጉጅለ ክትቀውም ወሲኑ

Radio Erena: 18 December 2021

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጺሙ ንዝበሃል ምግሃስ መሰላት እትምርምር ጉጅለ ክትቀውም ኣብ ስምምዕ በጺሑ።
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ብዓርቢ 17 ታሕሳስ ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ፣ ብ21 ኣባል ሃገራት መርማሪት ጉጅለ ክትቀውም ክድግፋ እንከለዋ፣ ሩስያን ቻይናን ዝርከበአን 15 ሃገራት ከኣ ተቓዊመን።
ኣብቲ መስርሕ ምድማጽ፣ 11 ኣባል ሃገራት ድምጸን ካብ ምሃብ ተቖጢበን።
እዛ ብሰለስተ ኣባላት እትቐውም መርማሪት ጉጅለ፣ ዕማማ ንኸተሳልጥ ናይ ሓደ ዓመት ስልጣን ተዋሂቡዋ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምቛም ናይዛ መርማሪት ጉጅለ ብትሪ ከምዝቃወሞ ብኡ ንብኡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዘነበ ከበደ ኣብቲ መጋባእያ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብሓባር ዘቖሙዋ ጉጅለ ስርሓ እንዳካየደት እንከላ፣ ሓድሽ ጉጅለ ምቛም ትርጉም የብሉን’ ብምባል፣ መንግስቱ ምስታ ሓዳሽ ትቐውም ጉጅለ ክተሓባበር ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።
ምኽትል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ናዳ ኣል-ናሺፍ ብወገና ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተወለዐ ውግእ ሓድሕድ፣ ብኩሎም ወገናት ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተፈጺሙ’ዩ ኢላ። ንሳ ብተወሳኺ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዓሌት ኣተኲሩ ዝካየድ ዘሎ ግፋን መጭወይትን ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ’ዩ ብምባል፣ ሰባት ሃለዋቶም ኣብ ዘይፍለጥ ቤት ማእሰርታት ክዳጎኑ ምስማዕ ልሙድ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ ኢላ።
ነዚ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝቐረበ እማመ ምቛም መርማሪት ጉጅለ፣ ሃገራት ምዕራብ ምሉእ ደገፈን ክህባሉ እንከለዋ፣ ዝበዝሓ ኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ‘ሽግር ኣፍሪቃ፣ ብኣፍሪቃውያን’ ብምባል ዘለወን ተቓውሞ ኣስሚዐን።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ሚኪኤል ኢሳቕ 2 years ago

    ክንደይ መርመርቲ ኮሚሽናት ዘይቆመ። ዝተረኽቦ መኽሰብ እንተኔሩ፡ እቶም ዝተሾሙ ጉጅለ መርመርቲ ህጡር ደሞዝ ምርካቦ እምበር ኣብ ኩሉ ክፍለዓለማት ዝተሾሙ መርመርቲ ጉጅለታት ዘምጽእዎ ኣዎንታዊ ውጺት የሎን ክህሉ’ውን ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ክህሉ ተባሂሉ ስለዘይስርሓሉ።
    ኣብ ካልእ ከይርሓቕና፡ ነታ ንኣብ ኤርትራ ተኸዚኑ ኣሎ ብዝብሃል ዝነበረ ኣጽዋር ክትምርምር ብውድብ ሕቡራት ተሰይማ ዝነበረት ገስረጥ ሸይላ ኪታሩት ትኹን፡ ዋላቲ ኣብ ኣፍደገ ሞት ዝነበረ ኣውስትራልያዊ ሚስተር ስሚዝ፡ ንኣብ ኤርትራ ተኻይዱ ዝተባለ ናይ ፈጠራ ግህሰት ደቂ ሰባት ክምርምር በድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተሸመ ንዓመታት ደሞዙ ግሒጡ ከይዱ እምበር ዋላ ክንዲ ኣድሪ ትኹን ዘምጽእዎ ለውጢ ኣይነበረን።
    ብእንጻሩ፡ ሳላ’ቲ ብጽኑዕን ተባዕን መሪሕነት ዝፍለጥ ህዝቢ ኤርትራ ብዘርኣዮ ሓያል ተጻዋርነት፡ ብዘይ ዋላሓደ ምኽንያት ነቲ ንዓመታት ብዘይ ምስልካይ ንህዝቢ ኤርትራ ንምንብርካኽ ዝፍክሩሉ ዝነበሩ መስመር ገዲፎም፡ ምስናይ ይቕሬትኡ ናብ መስመር ሻዕብያ ተጎንቢሖም ተቕቢሎሞ።
    ሕጂ ኣቤላ ኤልሳ ጭሩም
    ሕጂ ኣቤላ ሜሮን እስቲፋኖስ
    ሕጂ ኣቤላ ሰላም ኪዳነ
    ሕጂ ኣቤሎ ክብሮም ዳፍላ
    ሕጂ ኣቤሎ ዘዋሪኦም ወያን
    ሕጂ ኣበይ ኣለዉ ኩሉም’ቶም ንህዝቢ ኤርትራ ሑሕ ዝብሉ ዝነበሩ ጁጅ ማጁጅ።
    ትማሊ ዘይክኣል እንተኔሩ፡ ሎሚ ዘይሕሰብ’ዩ።

    ሚኪኤል ኢሳቕ
    ኣውስትራልያ