ድሮን፣ መጓዓዝያ ናብ ዘይኣትዎ ርሑቕ ገጠራት፣ መድሃኒት ኣብ ምብጽጻሕ ዝግልገላሉ ዘለዋ ኣብነታውያን ሃገራት ኣፍሪቃ

Radio Erena: 17 December 2021

ድሮን፣ ኢትዮጵያ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ንኵናትን ህልቂትን ዝውዕል ካብ ዘሎ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ’ዩ።

እዚ ኣብ መሬት ካብ ዝተደኮነ መደበር፣ ብመላጉም እናተኣዘዘ ብቴክኒሻናት ናብ ዝደለኻዮ እተንቀሳቕሶ ሰብ ኣልቦ በራሪ፣ ሓያሎ ሃገራት ንኵናት ደኣ ይጠቀማሉ’ምበር፣ ንልምዓትን ስሉጥ ኣገልግሎታት ሕክምናን ዘውዓሎ ሃገራት’ውን ብዙሓት’የን።

ነዚ ቴክኖሎጂ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ረብሓታት ካብ ዘውዓልኦ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ርዋንዳን ጋናን ብኣብነት ይጥቀሳ።

እዘን ሃገራት፣ ንድሮን፣ መጓዓዝያ ክኣትዎ ናብ ዘይክእል ርሑቕ ገጠራት፣ መድሃኒት ንምብጽጻሕ ይጥቀማሉ ምህላወን ይግለጽ።

ብፍላይ ከም ናይ ኤችኣይቪ ኤይድስ ዝመኣሰለ፣ ብስሩዕ ክውሰድ ዘለዎ መድሃኒታት ንዘድልዮም ሰባት፣ ኣብ ግዜኡ ንምብጻሕ፣ ድሮን እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ኮይኑወን ኣሎ።

ኡጋንዳ ኣሰር እዘን ሃገራት ብምስዓብ፣ ንድሮን ንተመሳሳሊ መዓላ ክትግልገለሉ ፈተና ኣብ ምክያድ ትርከብ።

ብምትሕብባር ጀንሰን ኤንድ ጀንሰን ዝተባህለ ኩባንያ መፍረ መድሃኒት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ፈተነ፣ ኣብ ቀላይ ቪክትዮርያ፣ ዞባ ካላንጋላ ተነጺለን ናብ ዝርከባ ቁሸታት ዝዓለመ’ዩ።

84 ንኣሽቱ ቁሸታት ዝርከቦ ካላንጋላ፣ ሓደ ካብቲ ብዝሒ ምስ ኤችኣይቪ ኤይድስ ዝነብሩ ሰባት ዘለዎ ዞባ ኡጋንዳ እኳ እንተኾነ፣ መንግስቲ መድሃኒት ንዘድልዮም ሰባት ብእዋኑ ንምብጻሕ ክጽገም ምጽንሑ ይግለጽ።

ናብተን ቁሸታት፣ ብጀላቡ መድሃኒታት ንምብጻሕ ክካየድ ዝጸንሐ ፈተነታት፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ንነዳዲን ካልእን ዝግብር ብዙሕ ወጻኢታት፣ ብሰንኪ ኩነታት ኣየርን ‘ውን ተደጋጋሚ ዕንቅፋታት ከምዘጋጥሞ ሓለፍቲ ትካላት ምርምር ጥዕና እታ ሃገር ይገልጹ።

ድሮን፣ 15 ሜትሮ ኣብ ሰኮንድ እናተሓንበበ፣ ኩነታት ኣየር ከይዓንቀፎ፣ መድሃኒታት ኣብ ግዜኡ ናብቲ ዝድለ ቁሸታት ከብጽሕ ትጽቢት ከምዝግበረሉ፣ ዳይረክተር ኣካዳሚ ምህዞ ንጥዕና፣ ሮዛሊንን ፓርከስ ራታንሺ ንሮይተርስ ገሊጻ።

ብድሮን መድሃኒታት ንምብጻሕ ዝካየድ ዘሎ ፈተነ ክዕወት እንተኽኢሉ፣ መንግስቲ ኡጋንዳ ብዝያዳ ክደፍኣሉ ‘ዩ።
==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0