ባዕሉ ብዝሰንዓ ጃልባ ካብ ሆላንድ ናብ ብሪጣንያ ክሰግር ዝፈተነ ኤርትራዊ ናብ ኢጣልያ ክስጎግ’ዩ

Radio Erena: 11 June 2019

ባዕሉ ብዝሰንዓ ጃልባ፣ ካብ ሆላንድ ተበጊሱ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝሓለነ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ፣ ናብ ኢጣልያ ክስጎግ ምዃኑ ምዕከን ዜና ቴሌግራፍ ሓቢሩ።

እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ፣ ወዲ 26 ዓመት ኤርትራዊ፣ ካብ ፕላስቲክ ዝተሰርሐ ናይ ፍዮሪ ዓታሩ፣ ንኣሽቱ ጀሪካናትን ስፑኞታትን ጌሩ ብዝሰንዓ ጃልባ፣ ‘ዩምደን’ ካብ ዝተባህለ ገማግም ባሕሪ ሆላንድ ድሕሪ ምብጋሱ’ዩ፣ ብሰንበት 2 ሰነ ብኣባላት ድሕነት ሓደጋ ባሕሪ ተታሒዙ።

ዕላምኡ ድማ ናብ ብሪጣንያ ብምእታው ዑቕባ ንምሕታት’ዩ ኔሩ።

እቲ ኤርትራዊ፣ ክሳብ’ቲ ዝቐረበ ገማግም ባሕሪ ንምብጻሕ እንተወሓደ ኣስታት 100 ኪሎሜተር ንውሓትን ቀዝሒ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየርን ክብድህ’ዩ ተበጊሱ ኔሩ።

ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ፣ እናጀለበ ድሕሪ ምትሓዙ ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ሆላንድ ይርከብ።

ኣብ ኢጣልያ ናይ ዝኣተወሉ ኣሰር ኣጻብዕቲ ስለዝተረኽበ፣ ብመሰረት ሕጊ ዳብሊን፣ መንግስቲ ሆልናድ ናብ ኢጣልያ ክምለሶ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ዝጠቅስ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 3
  • comment-avatar

    This is not fear beaceace why they deport him. Were is humanity.

  • comment-avatar

    ገለ ገለ ሰባት ነዚ ብመስመር ባሕሪ ሆላንድ ኢንግላንድ ክሰግር ዝፈተነ ከቃልልዎን ክጸርፍዎን ምስ ሰማዕኩ ኣመና ኢየ ጉህየ። ምክንያቱ ከምዚ ዓይነት ብድሆን ፈጠራን ምሕላኑን ምሕሳቡን ከማን ክንኣድ ዝግብኦ ክንሱ “ዓቅሊ ዘይገብር፡ ዘይዕገስ ኽጠፍእ ኔርዎ” ዝብሉ ዘይውርዙያት ቃላት ክንሰምዕ ብጣዕሚ ዘሕፍር ዩ። መንእሰይ ረኪብዎ ዘሎ ርካብ ኣብ ክንዲ ፍታሕ ምንዳይ ጸርፊ ኮይኑ ዕጫና። ብሓቂ እዚ ወዲ እዚ ኣብ ናይ ሰላም፡ሃዋህውን ኣብ ሃገሩን እንተዝህሉ ኔሩ ካብዚ ፈጠራዊ ሓስብን ተግባርን እዚ ንላዕሊ እንታይ ምፈጠረ ኢልናስ ንሓስብ ዶ ንከውን ወይ ንህሉ ዶ?

  • comment-avatar

    serawit ethiopia kab deretu zhalefo tedenaguyu