ጅቡቲ፣ መራኽብ ኵናት ኢራን ኣብ ገማግም ባሕራ ከምዘይተጸግዓ ገሊጻ

Radio Erena: 11 June 2019

ጅቡቲ መራኽብ ኵናት ኢራን ኣብ ገማግም ባሕራ ከምዘይተጸግዓ ገሊጻ።

እታ ሃገር ነዚ ትገልጽ ዘላ፣ መራኽብ ኵናት ኢራን ኣብ ወደብ ጅቡቲ ከምዝተጸግዓ መርበባት ሓበሬታ ሃገራት ዓረብ ድሕሪ ምሕባረን’ያ።

ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ዱያዓዲን ባማካርማ፣ ብሰንበት 9 ሰነ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኣብ ጅቡቲ ዝተጸግዐ መርከብ ኢራን ከምዘየላ ኣረጋጊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ጅቡቲ ድሕሪ’ቲ ምስ ኢራን ዝነበራ ዝምድና ምብታኻ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ዓይነት ርክብ ከምዘይብላ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ መንጎ ‘ተን ብስዑዲ ዓረብ ዝምርሓ ሃገራት ዓረብን ኢራንን ዝጸንሐ ምትፍናን ኣብ ጥርዙ ዓሪጉ ይርከብ።

ኢራን ነዳዲ ንዘመላለሳ መራኽብ ስዑዲ ዓረብ ኣጥቂዓ ክትብል ስዑዲ ዓረብ ትወቅስ ከምዘላ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0