ሽወደን፣ ብጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ፣ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ክሲ ተመስሪቱ

Radio Erena: 21 October 2020

ኣብ ሽወደን፣ ብዛዕባ ሃለዋት ዳዊት ኢሳቕ ብዝምልከት፣ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ክሲ ተምስሪቱ።

እቲ ሎሚ 21 ጥቅምቲ ዝተመስረተ ክሲ፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ናብ ሽወደን ኣብ ዝገሽሉ እዋን፣ ብፖሊስ ተታሒዞም፣ ብዛዕባ ሃለዋት ዳዊት ኢሳቕ መርመራ ክካየደሎም ዝጠልብ’ዩ።

ኣብቲ ክሲ ስማቶም ተጠቒሱ ዘሎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣማኻሪኡ ኣቶ የማነ ገብርኣብ፣ ሚኒስተር ዜና፣ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፣ ሚኒስተር ጉዳያት፣ ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ሚኒስተር ፍትሒ፣ ፎውዝያ ሓሽም፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ፣ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን፣ ብርጋደር ጀነራል ኣብራሃ ካሳ፣ ከምኡ ድማ፣ ኣዛዚ ውሽጣዊ ጸጥታን ፖሊስን፣ ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግልን’ዮም።

እቲ ናብ ፖሊስ ሽወደን ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ተቀባልነት እንተረኺቡ፣ እቲ ጉዳይ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክሰጋገር ተኽእሎ ከምዘሎ፣ ሓው ነቲ ን19 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፣ ኢሳይያስ ኢሳቕ ንራድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።

እቲ ክሲ፣ ንዳዊት ኢሳቕ ብእትጣብቅ ናይ ሽወደን ማሕበር ጥራይ ዘይኮነ፣ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝተወከሉ 12 ክኢላታት ሕጊን ሰብኣዊ መሰላት’ውን ከቲሞምሉ’ዮም።

ገለ ካብኣቶም፣ ንስልማት ኖቤል ተሓጽያ ዝነበረት ኢራናዊት ሺሪን ዔባዲ፣ ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ናቪ ፒላይ፣ ዳኛ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፣ ፕረዚደንት ናይቲ እባ ጉዳይ ርዋንዳ ዝቖመ መጋብኣያን ሚኒስተር ፍትሒ ካናዳን ዝነበረ ኢርዊን ኮትለር፣ ክኢላን ኣማኻሪን ሕጊ ኤርትራዊ ዳኒኤል ረዘነ፣ ኣደ መንበር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ፓንስይ ትላኩላን ይርከብዎም።

ናይ ኤርትራን ሽውደንን ድርብ ዜግነት ዘለዎ ዳዊት ኢሳቕ ዝርከብዎም ሓያሎ ኤርትራውያ ጋዜጠኛታትን ኣዳላውትን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት፣ ኣብ መስከረም 2001 ካብ ዝተኣስርሉ ዕለት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ 19 ዓመታት ሓሊፉ ደሃዮም ኣይፍለጥን’ዩ።

ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሽወደን ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ብዝምልከት ተወሳኺ መብርሂ ክህበና፣ ሓው ንዳዊት ኢሳቕ፣ ኢሳይያስ ኢሳቕ ብቴሌፎን ኣዘራሪብናዮ ኣሎና። ኣብ ታሕቲ ጠውቑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 4
  • comment-avatar
    Gebrezgi 3 years ago

    Well done Isseyas Esak Egzabiher yhagzkum

  • comment-avatar

    ከዳማይ ዳዊት ኢሳቅ ኣበይ ኣሎ
    ካልኣይ ከኣ ህግደፍ ኣብ ሽወደን ዚኮነ ነገር ክገብሩ ይርብሎምን
    መንግስቲ ሽወደን ከ ንዳዊት አንታይ ኮይና ዘይትጣበቀሉ ሓቲታ ከ ትፈልት ዶ፡
    ኣበይ ደኣ ኣሎ አቲ ሰብኣዊ መሰል ዚብልዎ

  • comment-avatar

    Etay eyou Bzab mentay EU ke

  • comment-avatar
    ሚኪ 3 years ago

    ራድዮ ኤረና፡
    ሎሚ ናይ ብሓቂ ኤርትራውያን ምዃንኩም ኣመስኪርኩም። እንቋዕ ጥራሕ እዛ ሓበሬታ ብውዕይታ ኣምጻእኩማ እምበር፡ እንታይ ኣምሲሎም እዞም ኣብ ድብያ ኣትዮም ዘለዉ መራሕትና ናብ ስዊድን ገጾም ይኸዱ። ወረ ኣኣንታይ ኣእትይዎም ካብታ ኤርትራ ተንከስ ኢሎም ዝወጹ። ብጣዕሚ ብጣዕሚ ጽቡቕ ስራሕ ሰሪሕኩም። ሃ ሃ ሃ ሃ ሃ ሃ።
    ኣላ ንስኻትኩም መስሓቄን። ያኢ በዓል ስዊድንሲ ሓያላት ኮይነን፡ ነቲ ጎይተተን በዓል ኣሜሪካ ተሓሊለን ረብሪበን ዝላደያሉ መስርሕ ምንብርካኽ ህዝብን መንግስትን ኤርትራንሲ ትኣምር ክፈጥራልኩም ዲኹም ተጸቢኹም። ቶባ! ሞሻሙሽ።
    “ዝገብር ነዲኡ ነይነገር” ዲዩ ተባሂሉ፡ ሰብኡት እንተኾይኖም፡ እንታይ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ዘመጣጥር ኣለዎም። ልኡኽ ናቶም ዶ ኣይኮነን ኣብ ቱሽቱሾም ኮይኑ ህዝቡ ወዲቡ፡ ምስ ሃገሩን መንግስቱን ኢድን ጓንትን ኮይኖም ከምዝሰርሑ ዝገብር ዘሎ።
    በዓል ትርኪ ምርኪ ድማ፡ እዚ ከም ሃፋ ናይ ማይ ክርአን ክጠፍእን ሓደ ዝኾኖ፡ ናይዚኦም ፈኸራ ድማ ድሕሪ ሰሙን ከም ሕክያ ንውበረ ከምዝኸውን ፍሉጥ ክንሱ፡ ያኢ ቁምነገር ተቖጺሩለይ! ስም ውልቀሰባት ጸዊዕኻ ነገር ከተተርንዑ ምሕሳብኩም መስሓቄን ኢልካ ጥራይ’ዩ ዝሕለፍ።
    እዞም ታርኸኛታት መራሕቲ ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ሎሚ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ወዑይ ደም ናይ ንእስነት ዕድሚኦም ከለው ከማን ነታ ሓንትን ክብርትን ሂወቶም ንህዝቦምን ሃገሮምን ዝወፈዩስ፡ ሎሚ እንታይ ኮይኖም’ዮም እሞ ነዚ ሰነፍ ሓሳብኩምን ሓሳብ ኣኸደምትኹምን ዋጋ ክቖጽርዎ። ንኹሉ ግዜለዎ እንድዩ . . . . ..