ሶማል፣ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓድሽ መንግስቲ ኣቝሙ

Radio Erena: 21 October 2020

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፣ መሓመድ ሓሰን ሮብለ፣ ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ኣቝሙ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ካብ ዝረቖሖም 30 ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራቱ፣ እቶም 15 ኣቐዲሞም ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ’ዮም።

ብዘይካ’ዚ ንሱ፣ 17 ሚኒስተር ዴታን 26 ምክትላት ሚኒስተርን መዚዙ።

ካብቶም 73 ሚኒስተራን ምክትላት ሚኒስተራትን ሶማል፣ ናይ ወጻኢ ዜግነት ዘለዎም’ዮም።

ንክልተ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ሓሰ ዓሊ ኻይረ ኣብ 18 መስከረም ብኣባላት ባይቶ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምስጓጉ’ዩ መሃመድ ሓሰን ሮብለ፣ ኣብ 23 መስከረም ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ተመዚዙ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0