ስሎቬንያ፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ጉዳዮም ተቐባልነት ክረክብ ዝጽውዕ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 16 January 2020

ኣብ ስሎቬንያ፣ ኤርትራውያውያን ዘቕረብዎ ሕቶ ዑቕባ ብመንግስቲ ተቐባልነት ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ንሳቶም፣ ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ርእስ ከተማ ሉብያና ዘካየድዎ፣ መንግስቲ ስሎቨንያ ዘቕረብዎ ሕቶ ዑቕባ ነጺጉ ናብ ኤርትራ እንተሰጕግዎም፣ ክወርዶም ዝኽእል ማእሰርቲን ካልእ ግፍዕታትን ብምግላጽ’ዮም።

መንግስቲ ስሎቨንያ፣ ኤርትራውያን ንዘቕርብዎ ዘለዉ ህቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ፣ መሰናኽላት ብምፍጣር፣ ንጉዳዮም የደናጉን ይነጽግ ከምዘሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር የመልክቱ።

ኣብቲ ብ15 ጥሪ፣ ኣብ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፣ ክፍሊ ኢምግሬሽን ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ 10ታት ኤርትራያን ሓተቲ ዑቕባን ተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታት ተሳቲፎም።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Dont say Hateftef Hateftef, asylem asylem that is not work now go to your
    country and fight.