RADIO ERENA – Thursday, 28 March 2024
ኣብ ሰኔጋል፣ ብ25 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ዝተዓወት ወዲ 44 ዓመት፣ ባሲሩ ድዮማይ ፋይ፣ 5ይ ፕረዚደንት እታ ሃገር ንምዃን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ስልጣን ክርከብ‘ዩ።
ባሲሩ ፋይ፣ ሓሶት ሓበሬታ ዘርጊሕካ፣ ኣብ ጸለመ ተዋፊርካ ብዝብልን ካልእን ክስታት ንኣስታት ሓደ ዓመት ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽንሓ፣ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምርጫ ምክያዱ፣ ናጻ ወጺኡ ኣብ ዝተሳተፎ ምርጫ ተዓዊቱ‘ዩ ናብ ስልጣን ዝመጽእ ዘሎ።
ኣብቲ ምርጫ፣ ቀንዲ መቐናቕንቱ ዝነበረ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፣ ኣማዱ ባ፣ ስዕረቱ ብወግዒ ተኣሚኑ ኣሎ።
ባሲሩ፣ ኣብዚ እዋን”ዚ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዎ መራሕቲ፣ ብደሞክራስያዊ ምርጫ ዝተዓወተ ብዕድመ ዝነኣሰ ፕረዚደንት ክኸውን‘ዩ።
ንሱ፣ ነዊሕ ተሞክሮ ንዝለዎም ፖለቲከኛታትን ሰበ ስልጣን ነበርን ሰኔጋል ብምስዓር‘ዩ፣ ኣብቲ ምርጫ ተዓዊቱ።
ካብ 2020 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ማኪ ሳል፣ መንበሩ ነቲ ብደሞክራስያዊ ምርጫ ዝተዓወተ ባሲሩ ፋይ፣ ኣብ 2 ሚያዝያ ከረክቦ‘ዩ።
ምስ ምርጫ ተተሓሒዙ ተቓውሞን ናዕብን ክካየደላ ዝጸንሐት ሰኔጋል፣ ግዝኣት ፈረንሳ ኣብ ዝነበራ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ተኸታተሊ ወትሃደራዊ ዕልዋታት ከይጸልዋ ተሰጊኡ‘ዩ ጸኒሑ።
ሓድሽ ፕረዚደንት ብምርጫ ናብ ስልታን ምምጽኡ፣ ነታ ኣሰር ጎረባብታ ከይትስዕብ ተሰጊኣ ዝጸንሐት ሰኔጋል፣ ሓድሽ ፖለቲካዊ ምዕራፍ ኸፍተላ ትጽቢት ይግበር።
=========================
COMMENTS