“ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ኣብ ትግራይ ገበናት ምህጋስ ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻም ይቕጽሉ ኣለዉ።” ጸሓፊ ጉ/ወ/ ኣመሪካ

Radio Erena: 28 April 2021

ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራን ፍልይ ሓይሊ ኣምሓራን፣ ብግብሪ ካብ ትግራይ ክወጹ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ደጊሙ ጸዊዑ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ነዚ ዝጸወዐ፣ ብ26 ሚያዝያ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ’ዩ።

ህላዌ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትግራይ፣ ተፈጢሩ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋድድ ከምዘሎ ዘጠንቐቐ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ እቲ ሰራዊት ብዝቐልጠፈ ክወጽእ ጸቒጥሉ።

ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን፣ ኣብ ትግራይ ገና ገበናት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽሙ ከምዘለዉ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን ንኣብይ ኣሕመድ ከምዘዘኻኸሮው’ን ኣፈኛ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ ገሊጹ።

ኣመሪካ፣ ነቲ 30 ዓመታት ንድሕሪ ተመሊሱ፣ ናብ ግጭትን ምብትታንን ወዲቑ ዘሎ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተል ፍሉይ ልኡኽ መዚዛ ኣላ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Kifle 3 years ago

    They been committed crime since the genocide in TIGRAY break in and still keep going eradication of civilians,