ፕረዚደንት ሶማል፣ ኣንጻሩ ድሕሪ ዝተወልዐ ግጭት፣ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ምርጫ ክካየድ ወሲኑ

Radio Erena: 29 April 2021

ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፣ ብዘይምርጫ ስልጣኑ ንክልተ ዓመታት ከናውሕ ድሕሪ ምውሳኑ ብዝተላዕለ ተቓውሞታትን ግጭትን፣ ውሳኔኡ ብምቕያር፣ ኣብ ዝሓጸረ ምርጫ ክካኡየድ ጸዊዑ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ክልተ ርእሰ ምምሕዳራት ኣይተሰማማዕኩን ብዝብል፣ ካብ ቅዋማዊ ሕጊ እታ ሃገር ወጻኢ ብዝኾነ መስርሕ፣ ደገፍቱ ብዝኾኑ ኣባላት ባይቶ ኣቢሉ፣ ብዘይምርጫ ንክልተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክቕጽል’ዩ ኣንቂዱ።

እንተኾነ፣ መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ጁባላንድን ፑንትልናድን ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ ከፍልጡ እንከለዉ፣ ኣብ ሞቛድሾ ዝመደበሮም ፖለቲካውያን ሓይልታትን መራሕቲ ቀቢላታትን’ውን ተቓውሞታቶም ከስምዑ ጸኒሖም።

ካብ 25 ሚያዝያ ኣትሒዙ ድማ፣ ሚሊሻታት ናይዘን ቀቢላታትን ካልኦት ሓይልታትን ዝሳተፍዎ ዘለዉ መጥቃዕታት ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ተወሊዑ።

እዞም ሓይልታት ኣገዳሲ’ዩ ንዝበልዎ ከባቢታት ሞቛድሾ ክቖጻጸሩ እንከለዉ፣ ካልኦት ድማ ቪላ ሶማል ንዝፍለጥ ቤት መንግስቲ ንምጥቃዕ ምድላዋት የካይዱ ምህላዎም’ዩ ተመልኪቱ።

ኣንጻሩ ክካየድ ብዝጸንሐ ተቓውሞታትን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ሞቛድሾ ብዝተወልዐ ግጭትን ዝሰግአ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ እቲ ከናውሖ ወሲኑ ዝነበረ ምርጫ፣ ኣብ ዝሓጸረ ክካየድ ጠሊቡ ኣሎ።

እቲ ምርጫ፣ ምስ ሓሙሽተ መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራትን ኣማሓዳሪ ሞቛድሾን ብምዝታይ ክካየድ ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ‘ቲ ፕረዚደንት እኳ እንተተጠቕሰ፣ መዓስ ከምዝካየድ ግና ኣይተነጸረን።

ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ብዘይምርጫ ንክልተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክቕጽል ምውሳኑ፣ መወልትን መሻርኽትን ሶማል ዝኾና ሃገራት ኣመሪካን ኤውሮጳን፣ ከምኡ ድማ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ውድባትን ጸቕጢ ጌረናሉ ይርከባ

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0