“ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ርክብ ሰላም፣ ምሉእ ኣይኮነን፣” ዶ/ር ደብረጽዮን

“ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ርክብ ሰላም፣ ምሉእ ኣይኮነን፣” ዶ/ር ደብረጽዮን

ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጀመርኦ ርክብ ሰላም፣ እወታዊ እኳ እንተኾነ፣ ግና ምሉእ ኣይኮነን ክብል ምክትል ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ገሊጹ።

ንሱ ምስ መደበር ሬድዮን ቴሌቪዥንን ደቡብ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ርክብ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ካብ ዝፍልም ሻውዓይ ወርሒ ቀሪቡ እኳ እንተሎ፣ ከምቲ ዝተጀመሮ ይቕጽል ከምዘየሎ ሓቢሩ።

ተኺፍቶም ዝነበሩ ዶባት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ምዕጻዎም፣ ሓደ ሕማቕ ምልክት ናይቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ርክብ ሰላም ምዃኑ’ውን ጠቒሱ።

ብዙሕ ጉዳያት ተንጠልጢሉ ክሳብ ዘሎ፣ ርክብ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሉእን ውሑስን ክኸውን ከምዘይክእል ድማ ደምዲሙ።

ዶ/ር ደብረጽዮን ብተወሳኺ፣ “መራሕቲ ክልትኤን ሃገራት ካብን ናብን ተመላሊሶም፣ ኤምባሲታት ተኸፊቱ፣ መንገዲ ኣየር ጀሚሩ፣ እዚ ኹሉ ጽቡቕ ተበግሶ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ወርሒ ግና እንታይ መጺኡ ኣሎ እንተኢልና፣ ከምቲ ዝጀመሮ ይቕጽል ከምዘየሎ ጥራይ ዘይኮነ ዘየተኣማምንን ኣብ ካልእ ሕቶታት ዘልዕልን’ዩ” ክብል ኣስሚርሉ።

ኩሉ ዶባት ክኽፈትን ናብ ቅድሚት ዝግስግስ ርክብ ሰላም ክህሉን፣ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ ምሉእ ክኸውን፣ መዕለቢ ዘይተረኽበሉ ጉዳያት ዶባትን ካሕሳን፣ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ጥራይ ዘይኮኑ መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ብዝፈልጦን ብውዕልን ስርዓትን መዛዘሚ ክግበረሉ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

“ዝጸንሐ ወጥሪ ክሳብ ዝሃድእ፣ እናተባህለ ዝኸይድ ዘሎ ርክብ፣ ክሳብ መዓስከምኡ ኢሉ ክንቕጽል’ዩ” ዝበለ ዶ/ር ደብረጽዮን፣ እቲ ጉዳይ ቅልጡፍ መፍትሒ ክግበረሉ ኣተሓሳሲቡ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመን ንኤርትራ ዝተወሰነ ካብቢታትን ከይስሓበ፣ ዝኾነት ዓይነት ርክብ ምስ ኢትዮጵያ ኣይክሉን’ዩ እናበለ ን18 ዓመታት ክሕንግድ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ፣ ካብ ሰነ 2018 ኣትሒዙ ብሃንደበትን ብዘይ-ቅድመ ኩነትን ምስ ኢትዮጵያ ምስጢራዊ ውዕላት ከካይድ ከምዝጀመረ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ርክብ ካብ ዝጀመርሉ እዋን፣ ሻውዓይ ወርሑ ኣቑጺሩ፣ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ባድመን ካልእ ናይ ኤርትራ ምዃኑ ዝተወሰነ ከባቢታትን ኣይሰሓበትን።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ኩሉ ሓቂ እንተከነ ግን ቁሩብ ሓስብ ወስ ክነበል ከመ ኤርትራዊ መጥን ። ኣነ ዘገረመኒ ሲ ሰላም መጺኡ የባሃል ኣሎ ኣበይ እየ እቲሰላም ዘሎ ኣብ ኣፍ የመሰለኒ ምክንያቱ ቀደም ጉደየ ምሕነጸጽ ዶባትና ከፈጸም ነሩዉ ደሕሪኡ እቲ ካልእ ምስ ተራኣየ ። ምክነያቱ እዞም ስብት ሲ ካብ ቀደም እዮም ንህዝቢ ኤርትራ ስላም ክህብዉ ኣየደሊዩን እዮም ። ሕማም ናይ ባሕሪ እነተዘይከኑ ካልእ ወላሓኒቲ የብሎምን ።ስለዚ እዚ እንተከኑ እቲ ጸገም ቀደም ዶብ የታሓነጸጽ ድሕሪኡ ከኣ ኣብ ካልእ የብጸሓ ። እነበር ምስ ኤዚኦም ቀሳነት የሎ ወደ ሓንኩም ።ቅራፍ ዕንባብ ሲ ኣብ ትነሓገካ እተ ከና እነተይ ከምትገብር ሲ ፈሉጥ እየ ስለዚ!!!!!