ሚኒስትሪ ዜና፣ ንኣባላቱ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝኾነ ዜና ከየዳልዉ መምርሒ ሂቡ

Radio Erena: 24 November 2020

ኣዳለውቲ ዜና ሚኒስትሪ ዜና፣ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝኾነ መደብ ከየዳልዉ መምርሒ ተዋሂብዎም።

እቲ ሚኒስትሪ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፍጻሜታት ዝምልከት፣ ሓበሬታ ካብ ላዕለዋይ ኣካል ምስ ዝመጽእ ጥራይ ከምዝቃላሕ ንኣባላት ኣፍሊጡ።

ዛጊት ድማ ህዝቢ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ንኤርትራ ብቀጥታ ዝጸሉን ፍጻሜታት፣ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝረካብ ማዕከናት ዜና’ዩ ዝከታተሎ ዘሎ።

ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና፣ ብፍላይ እቶም ኣብ ምድላው ዜና ዝነጥፉ፣ ከምዚ ዓይነት ዜና ስርሑ ወይ ኣይትስርሑ፣ ክብሃሉ፣ ልሙድ ኣሰራርሓ ናይቲ መንግስታዊ ትካል’ዩ።

ኣብ 2011 ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣብ ዝተጎሃሃረ ህዝባዊ ናዕቢ ቀውዒ ዓረብ’ውን ተመሳሳሊ፣ ሸፈነ ከይወሃቦ ተመሳሳሊ መምርሒ ተዋሂቡ ምንባሩ፣ ኣዳላዊ ዜና ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ነበር፣ ጋዜጠኛ ዓወት ኣረጋይ ዝኽሩ ኣካፊሉ።

ኤርትራ፣ ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ ዝብል መሰረታዊ መሰል ደቂ ሰብ ካብ ዘይክበረለን ቀዳሞት ሃገራት ምዃና ይፍለጥ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ እታ ንኣስታት 30 ዓመታት ብሓደ ሰብ እትምራሕ ዘላ ሃገር፣ ብናጻ ፕረስ’ውን ድሕሪት’ያ ትስራዕ።

ኣብታ ሃገር፣ ብዘይካ’ተን ብመንግስቲ ዝውነና ሓንቲ መደበር ራድዮን ቴሌቪዥንን ሓንቲ ጋዜጣን፣ ካልእ ዝኾነ ናጻ ወይ ናይ ብሕቲ ማዕከን ዜና የለን።

12 ገጻት ጥራይ ዝነበራ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራውያን’ውን እተኾነት፣ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዛ፣ ኮረና ቫይረስ ከይተመሓላልፍ ተባሂላ ካብ ሕትመት ደው ኢላ።

እታ ጋዜጣ፣ እቲ ናይ ወረቀት ሕትመታ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ንኣስታት 8 ኣዋርሕ ደው ክብል እንከሎ፣ ካብ ዝሓለፍ ክልተ ኣዋርሕ ጀሚሩ ግና፣ 4 ገጻት ጥራይ ሒዛ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ተዘርጊሓ ኣላ።

ይኹን’ምበር ዝበዝሐ ሸፈነኣ ናይ ወጻኢ ሃገራት ትሕዝቶ’ዩ።

መዓልታዊ ኣማኢት ኣሽሓት ናይ ወረቐትን ሓጺንን ገንዘብ ክቀብበል ንዝውዕል ህዝቢ፣ 8 ሽሕ ዘይበጽሕ ሕታማት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፣ ኮረና ቫይረስ ከየተሓላልፍ ተባሂሉ ደው ምባሉ ከምዘገረሞም ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ይገልጹ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 4
  • comment-avatar
    ሚኪ 3 years ago

    ንስኹም ኣለኹምልና እንዶ ወረኛታት። እንታይ ኤሪ ቲቪ ደሊናሉ። ኤረ ቲቪ ደኣ ብዛዕባ ኣብታ ሰላማዊትን ዝተባረኸትን ሃገርና ዝካየድ ልምዓታዊ መደባት ህዝብናን ሃገርናን እባ ክንርእየሉ።
    ድሓር ድማ፡ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እንታይ ጽቡቕ ኮይኑ’ዩ እቲ ህዝቢ ንዑኡ ክርኢ ትምነይሉ? ሓሳዳት ከም ኣንጭዋ።
    ከምቲ ክቡር ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ዝበሎ፡ “እቲ ሕጽቦ ወያነ” ምስተወድአ ኩነታት ትግራይን ወያነን ጽቡቕ ጌርካ ቡን እንዳሰተኻ ክዕለለሉ’ዩ።

  • comment-avatar
    King Sol 3 years ago

    ብዛዕባ ናይ አብ ትግራይ ዘሎ ኩናት ምስማዕ’ሞ እንታይ ትርጉም አሎዎ። ፅቡቕ ጌይሩ ኢየ ዝብል ትርፉ ሻቅሎት ዩ።

  • comment-avatar

    Ane Ezi zgber zelo wgiE fthawi aykonen mknyatu hager bzey hzbi trgum yeblan ane Eritrawi Eye gn btami gahi ysmani

  • comment-avatar
    ደርማስ 3 years ago

    ጽቡቅ ጌሩ።ኣለኹምንዶ ነገራት ከተካውሱ ትውዕሉ።ንስኹምከ እንታይ ክትሰርሑ? ኤሪ ትቪ ንልምዓትን ህንጸትንምበር ንበለካለኻዓካ ዝኸውን ግዜን ዕድልን የብላን።ንሱ
    ንዓኹም ገዲፈሙልኩም።