ስድራቤታቶም ንምብጽሕ ናብ ትግራይ ዝገሹ ሓያሎ ኤርትራውያን፣ መውጽኢ ስኢኖም ምህላዎም ተፈሊጡ

Radio Erena: 24 November 2020

ብሰንኪ’ቲ ካብ 4 ሕዳር ኣትሒዙ፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝነበሩ ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ መንጎ ክልተ ሓዊ ተቐርቂሮም ምህላዉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ’ዩ።

ብዘይካ’ዚኣቶም ድማ፣ ስድራቤታቶም ንምርኣይ ናብ ትግራይ ዝእተዉ፣ ሓያሎ ኤርትራውያ መውጽኢ ስኢኖም ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሓደ ካብኣቶም፣ ኣባል ጋንታ እስራኤል ሳይክሊን ኣካዳሚ፣ ፕሮፌሽናል ተቀዳዳማይ ብሽክለታ፣ ኤርትራዊ ሽወደናዊ፣ ዓወት ገብረመድህን’ዩ።

እዚ ፕሮፌሽናል ተቀዳዳማይ፣ ደሃይ በዓልቲ ቤቱን ውላዱን ክገብር ናብ ትግራይ ድሕሪ ምጋሹ፣ ኵናት ስለዝተወልዐን፣ ኣገልግሎታት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ድማ ስለዝተቛረጸን ደሃዩ ክርከብ ከምዘይክኣለ፣ ወኪሉ ማርቸሊኖ ፓቼኮ ገሊጹ።

ኣብ 2021 ዓወት ዝወዳደረላ ጋንታ ኣብ ምንዳይ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ወኪሉ፣ ኣዝዩ ከምዝተሻቐለ ብምምልካት፣ ኣብ ሽወደን እትርከብ ሓብቱ፡ ዓወትን ስድራ ቤቱን እዚ ዘሎ ሕማቕ እዋን ክሳብ ዝሓልፍ ተሓቢኦም ከም ዘለዉ ስለዝሓበረትና ግና ተስፋ ጌርና ኣለና ክብል ገሊጹ።

ዓወት፡ ኣብ 2013 ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝተገብረ ውድድር ሻምፕዮን ዓለም ትሕቲ 23 ዓመት ብድሕሪ ምስታፉ፡ ናብ ሽወደን ብምምራሕ’ዩ ዑቕባ ሓቲቱ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0