መ.ኢትዮጵያ፣ ናብ ዘይቆጻጸሮ ከባቢታት ትግራይ ረዲኤት ክባጻሕ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 06 December 2020

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ረዲኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ ከምዝተሰማመዐ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ትካላት ረዲኤት ናብ መላእ’ቲ ዞባ ክበጽሓ ጻውዒት ቀሪቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብረቡዕ 2 ታሕሳስ እዩ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ስምምዕ በጺሑ። እንተኾነ እቲ መንግስቲ ናብቲ ዝቆጻጸሮ ከባቢታት ትግራይ ጥራይ ረዲኤት ክባጻሕ ምፍቃዱ፣ ንትካላት ረዲኤት ቀይዲ ኮይኑወን ከምዘሎ፣ ዲፕሎማሰኛታት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺ ሓቢሮም።
ጉጅለ ክኢላታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ንዝባጻሕ ሰብኣዊ ረዲኤት ኣፈናዊ ጸብጻብ ንምግባር ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝተንቀሳቐሰትሉ፣ ካብ ከተማ መቐለ ኣዝዩ ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ ቦታ ኲናት ይቕጽል ከምዘሎ ኣመልኪታ። ነበርቲ ከተማ መቐለ፣ ኣብታ ከተማ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስርቂን ዝምታን ደው ከብል፣ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ማይን ኤለክትሪክን ንቡር ስርሑ ክጅምርን ተደጋጋሚ ጻውዒት የቕርቡ ከምዘለዉ’ውን ሓቢራ።
እዚ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት፣ ኣብቲ ህወሓት ተቖጻጺሩዎ ዘሎ ከባቢታት እውን ጥሜትን ከቢድ ናይ መነባብሮ ጸገምን ስለዘሎ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣፍደገ ክኸፍት ዝጠልብ እዩ።
ከምዝፍለጥ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለያ መዓስከራትን ከተማታትን ይርከቡ። እዞም ኣብ መንጎ ክልተ ሓዊ ተቐርቂሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ኣጋጢሙዎም ዘሎ ናይ መንባብሮ ጸገም ፍታሕ ንኽረኽቡ፣ ብዝተፈላለየ መንገድታት ኣውያቶም ከስምዑ ዝጸንሑ ኮይኖም፣ ኣብቲ ከባቢታት መዓስከር ዝጫጭሑ ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታት ምልሻ ሃስያ የውርዱሎም ከምዘለዉ እዮም ዝገልጹ።
ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃል፣ ምልሻታት’ቲ ከባቢ ጥራይ ዘይኮኑ፣ ምስ ፈደራላዊ ሰራዊት ወይ’ውን ምስ ሰራዊት ህወሓት ምዃኖም ዘይፍለጡ ዕጡቓት እውን ግፍዕታት የውርዱሎም ከምዘለዉ ሓቢሮም።
ቀለብ መግብን ማይን ዝወድኡ ነበርቲ’ተን መዓስከራት ስደተኛታት፣ በብጉጅለን በብውልቅን እግሮም ናብ ዝመርሖም ፋሕ ክብሉ ጀሚሮም ኣለዉ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሩ፣ እቲ ኲናት ከምዝተወደአን ናይ ረዲኤትን ዳግመ ህንጻን መስርሕ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክጅመር ምዃኑ’ዩ ገሊጹ።
ብወገን ህወሓት ብኣንጻሩ፣ ዶክተር ደብረጽዮን ብናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ሰራዊቱ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ትግራይ ይዋጋእ ከምዘሎ’ዩ ገሊጹ።
ጉጅለ ክኢላታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ እቲ ኲናት ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ገና ይቕጽል ብምህላዉ፣ ረዲኤት ብግቡእ ናብቲ ዝወጸዐ ህዝቢ ከይበጽሕ ዓቢ ዕንቅፋት ከምዝኸውን ሓቢሩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    እዚ 100000 ድብል ቁጽርስ ኣየጉድል ኣይውስኽን ድዩ ዶ ዋላስ ካልእ ዕላማ ኣለዎ አዩ ብ ፍላይ ሕጂ ቡዙሕ ካብዚ ህዝቢ ሃዲሙ ን ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣትዩ ኣሎ. ስልዚ ኤቲ ሓቂ ኣየናይ አዩ.