ካብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ዝሃደሙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጎንደር ይከላበቱ ምህላዎም ተሓቢሩ

Radio Erena: 07 December 2020

ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ተዓቝቦም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ጎንደርን ካልእ ውሑስ ዝበልዎ ከባቢታትን ይሃድሙ ኣለዉ።

ዛጊት ኣሽሓት ኤርትራውያን፣ “ዝረኸበ ይርከበና” ኢሎም፣ ካብቲ መዓስከር ከምዝተበታተኑ ዝሓበሩ ነበርቲ እቲ መዓስከር፣ ገሊኦም ነዊሕ ሰዓታት ብእግሪ ተጓዒዞም ጎንደር ምእታዎም ኣረጋጊጾም።

ኣብ ጎንደር፣ መጽለሊ ንምርካብ ኣብ ጎደናታት ይከላበቱ ምህላዎም ዘመልከቱ ካልኦት ወገናት ድማ፣ ገሊኦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምቕጻል ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣውቶቡስ ቀንፈዘው ክብሉ ይርኣዩ ምህላዎም ጠቒሶም።

ኣብ ጎንደር፣ ንኩነታቶም ዝከታተል ኣካል መንግስቲ ይኹን ሕቡራት ሃገራት ብዘይምህላዉ፣ እቶም ኤርትራውያን ንማሕበራዊ ሕሰም ተቓሊዖም’ዮም ዝርከቡ።

ኣብታ ከተማ ገዛ ንምክራይ ክሳብ 1500 ብር’ውን ስለዝሕተቱ፣ ግዝያዊ መንበሪ ቤት ተኻርዮም ንምጽናሕ’ውን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ይኹን’ምበር ገሊኦም ብጉጅለ ብምዃን ብደላሉ ግዝያዊ ዘጽንሖም ኣባይቲ ንምክራይ ላዕለን ታሕትን ይብሉ ኣለዉ።

ክሃድሙ ዘይክኣሉ፣ ቆልዑ ዘለዎም ስድራቤታት፣ ኣረጋውያንን ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ኤርትራውያን ነበርቲ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ፣ ክሳብ እዚ እዋን ኣብቲ መዓስከር’ዮም ዘለዉ።

ነቲ ከባቢ ተቖጻጺረዮ’የ ዝብል መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ውሕስነት ናይቲ መዓስከር ከረጋጋጽ ብዘይምኽኣሉ፣ ብዕጡቓትን ሚሊሻን ብቀጻሊ ዝምታን ምፍርራሕን ይወርዶም ምህላዎም’ዮም ዝገልጹ።

ኣብቲ መዓስከር ንዘሎ ኩነታት ንምፍላጥ ንሓደ ካብ ነበርቲ ተወኪስና’ዮ ኣሎና። ኣብ ታሕቲ ስምዑ።

 

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 3
  • comment-avatar

    Did you ever tried to check about Eritrean refugees, those who are abducted from the camp and taken as a hostage by the woyane?

  • comment-avatar
    ኣብራሃም 3 years ago

    ኤርትራዉያን ሓቢርና፡ ተወዲብና፡ ብስም ህዝብን ኤርትራን ፡ናብ ኩሉን አብ ኩሉን ብዕቱብነት ክንቃለስ እንተዘይበቒዕናን ብሓደ ድምጽን ዉክልናን ገርና አዉያት እና አናአስማዕና፡ ግዝያዊ ሽግራትና እናፈታሕና ኣኣብዘለናዮ ሰረት ቃልሲ እንተዘይ ሃኒጽና በብሓደን በብቑርብን ከይንጸንት ዘስግእ እዩ። ጋዜጠኛታት ከአ እቲ ክግበር ዝከአል ንምግባር እንተዘይ ተቓሊስኩም፡ ሓሳባት ካብ ህዝቢ ጠርኒፍኩም ብምጽማቕ እዚ እንተዝግበር ዝእሓሸ እዩ ክትብሉ እንተዘይ ክኢልኩም፡ አብ ጎኒ ህዝቢ አለዉ ከብል ዘኽእል ነጥቢ አሎ ክበሃል አጸጋሚ ኮይኑ እስመዓኒ። ዘረጋግጽ አስተምህሮን አብነትን ከአ አይክህሉን እዩ። እዚ ጸበባ ወሪዱና ዘሎ ንኤርትራዉያን ፡ ዜጋታት ስለዝሃመቕና፡ አአብ ነናትና ሽግር ጥራይ ስለ ዝተወሓጥና፡ ሃገራዊ ሓባራዊ ዕማማትና ስለዝዘንጋዕና ኮይኑ እስምዓኒ። እንበር ምንቃፍ፡ ስምዒትካ ጥርራይ ገሊጽካ ምኻድ ሽግር አዬፍትሕ፡ ንዉጹዕ አዬዕንግልን እዩ፡ ምሁር ዝያዳ ኣብክንዲ ተገዲሱ ንህዝቡ ዘረድእ፡ አብናቱ ስምዒትን ሓሳባትን ተዉሒጡ፡ ነቲ ሽግር ህዝቢ ንጎኒ ይሓድጎ አሎ፡ ምሁራትና ሓደ ቋንቋ ሃልይዎም፡ ብሓደ ቋንቋ ከአ ዘይዛረቡ ኮይኖም። አብ መደምደምታ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ናይ ሰብ ሕልና ከአ ዘለዎ፡ ብኸብዱ ዘይዕሾ፡ ንሓቂ ከአ ብሰብአዊ ሕልና ዝጥምትን ዝምጉትን ዉህደት ክፈጥር እዋኑ ኮይኑ እስምዓኒ።ብዝወሓደ እቲ መንእሰይ ከአ ናቱ ሓላፍነትን ናቱ ግደን ክዋጻእ ይግብኦ።

  • comment-avatar
    ሑሞር 3 years ago

    ኣብ’ቲ ብታ ሓፍተይ ኣላ፥ ከም ኩሉ ትግራይ እቲ ቦታ ዉሑስ ኣይኮነን፥ ግን ከኣ ከምዚ ንስኻ እተኣንኖ ዘለኻ ከም ዘይኮነ ሓበሬታ ኣለኒ። ኣብ ጎንደር ዝሽገርሉ ዘለዉ መኽንያት ከኣ ወያነ ናይ መንነት ወረቐቶም ስለ ዘሕደጎም፥ ምስ ተጋሩ ጽልኢ ዘለዎም ዘይብሱላት ነበርቲ ጎንደር ከከላብትዎም ግድን’ዩ። እቲ ዘገርም ግን ትካላት ረዲኤት ነዞም ኣብ ዉሑስ ብታ ኣብ ጎንደር ዘለዉ ገዲፈን ናብ ዓዲሓርሽ ክኣትዋ ምፍታነንን ንሰራሕተኛታተን ንሓደጋ ምቅልዐንን’ዩ። ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባ ብእግራ ትሓክኽ።