መንግስቲ ኮስታሪካ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ቀይዱ

መንግስቲ ኮስታሪካ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ቀይዱ

Radio Erena: 16 September, 2014

Costarica

መንግስቲ ኮስታሪካ፣ ኣርዕተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ የእትዩ።

እቶም ዝኾነ ሰነድ ዘይነበረኦም ኣርባዕተ ኤርትራውያን ዶባት ሃገራት ላቲን ኣመሪካ እናቖራረጹ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንምእታው ዝዓለም’ዮም።

ምስቶም ኤርትራውያን ኣርባዕተ ሶማላውያንን ዘሰጋግሮም ዝነበረ ዜጋት ኮስታሪካን’ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

እቶም ኤርትራውያን ሶማላውያን ጉዳዮም ናብ ክፍሊ ኢምግረሽን እታ ሃገር ክቐርብ እንከሎ፣ እቲ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተኸሰ ዜጋ ፓናማ ግና ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ’ዩ።

 

እቶም ስደተኛታት ካብ ፓናማ ዝኣተዉ ኮይኖም ብመኪና ናብ ኒኳራጓ እንምርሑ እንከለዉ’ዮም ኣብ መፈተሺ ነቑጣ ተታሒዞም።

ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ 20 ሽሕ ዶላር ዘይውሕድ ገንዘብ ብምኽፋል፣ ብውሕዱ ሓሙሽተ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ብዘቋርጽ ነዊሕ ናይ ጉዕዞ መስመር ብመንገዲ ሜክሲኮ ናብ ኣመሪካ ከምዝኣተዉ ዝፍለጥ’ዩ።

===================================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0