ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያን ማልታን ኣማኢት ስደተኛታት ጥሒሎም

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያን ማልታን ኣማኢት ስደተኛታት ጥሒሎም

Radio Erena: 16 September, 2014

Libya malta

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ 250 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ብሰነብት ጥሒላ።

ዛጊት 26 ሰባት ጥራይ ክድሕኑ እንከለዉ፣ ናይቶም ዝተረፉ 224 ስደተኛታት ሃለዋት ኣይተፈልጠን።

እታ ጃልባ፣ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ከተማ ትሪፑሊ ኣብ ከባቢ ታጁራ ከምዝጠሓለተ ዘረጋገጸ ኣፈኛ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ኣዩብ ቃስም፣ እቶም ዛጊት ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ልዕሊ 200 ስደተኛታት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣመልኪቱ።

 

ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ንዝጠሓሉ ስደተኛታት ህጹጽ ሓገዝ ንምሃብ ዋሕዲ ናይ ዓቕሚን መሳርሕን ከምዘለዎ ዝጠቐሰ ኣዩብ ቃስም፣ እዚ ድማ ንሞት ስደተኛታት የጋድድ ምህላዉ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓስን ኣብ መጀመርያ ዕለት ናይዚ ወርሒ’ዚን ብድምር ኣስታት 200 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከምዝጠሓሉ ዝዝከር’ዩ።

ዜግነት ናይቶም ብሰንበት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝጠሓሉ ልዕሊ 200 ስደተኛታት ዛጊት ኣይተሓበረን።

ድሕሪ’ዚ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚ ናይ ባሕሪ ሓደጋ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ምድሓን ህወይት ስደተኛታት ኢዱ ክጽንብር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ማትዮ ረንዚ ጸዊዑ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ማልታ ኣብ ዝጠሓለተ ካልእ ጃልባ’ውን ኣስታት ሓሙሽተ ሚእቲ ስደተኛታት ከምዝሞቱ ይግለጽ ኣሎ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0