ሊብያ ምስ ቀጠርን ሱዳንን ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ምዅና ኣጠንቂቓ

ሊብያ ምስ ቀጠርን ሱዳንን ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ምዅና ኣጠንቂቓ

Radio Erena: 16 September, 2014

PM libya

ሊብያ ምስ ሱዳንን ቀጠርን ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ።

መንግስቲ ሊብያ ነዚ መጠንቀቕታ ዘቕርብ ዘሎ፣ ሱዳንን ቀጠርን ተሓባቢረን ንተቓወምቲ እታ ሃገር የዕጥቓ ኣለዋ ብዝብል ክሲ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ዓብዱላሂ ኣል ቲኒ ብዘዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ቀጠር ነቶም ሓያሎ ከባቢታት ተቖጻጺሮም ዘለዉ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሊብያ ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ከምዝገበረትሎም መርትዖ ምህላዉ ብምጥቃስ፣ ቐጠር ንተቓወምቲ ምድጋፍ እንተቐጺላቶ ከኣ ምስታ ሃገር ዘሎ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ክብተኽ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

 

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብተወሳኺ፣ ኣጽዋር ዝጸዓና ሰለስተ ወትሃደራውያን ነፈርቲ ቀጠር ኣብቲ ተቓወምቲ ዝቖጻጸርዎ ክፋል ትሪፑሊ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ማቲጋ ብሰንበት ከምዝዓለባ’ውን ገሊጹ።

መንግስቲ ሊብያ ኣቐዲሙ ካብ ሱዳን ናብ ተቃወምቲ ዝተላእከ ኣጽዋር ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝዓለበት ምኽሳሱ ዝዝከር’ዩ።

ሱዳን ነቲ ክሲ ናይ ኣሉታ መልሲ ክትህበሉ እንከላ፣ ቀጠር ግንና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበትሉን።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0