መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ድሕነት ዜጋታት ኣብ ምውሓስ ግቡእ ክገብር መራሕቲ ሃይማኖት ጸዊዖም

Radio Erena: 31 October 2019

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ድሕነት ዜጋታት ኣብ ምውሓስ ግቡኡ ክገብር ሸውዓተ መራሕቲ ሃይማኖት እታ ሃገር ጸዊዖም።

ንሳቶም ነዚ ዝጸውዑ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ክልል ኦሮሞ ድሕሪ ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ብውሕዱ 67 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎምን፣ ኣብ ሓያሎ ክልላት ድማ ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣንጸላልዩ ብምህላዉን’ዮም።

መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ መንግስቲ ድሕነት ዜጋታት ምሕላውን ጸጥታ ሃገር ኣብ ምርግጋጽን ሓለፍነት ከምዘለዎ ብምዝኽኻር፣ ነዚ ንዘፍርሱ ወገናት ክቐጽዕ፣ ጽቡቕ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ድማ ክሽልም ግዴታ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ጸጸኒሑ ዝነቱግ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት፣ መንግስቲ እታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ክቆጻጸሮ ዓቕሚ ከምዝሰኣነ ምልክት’ዩ ክብሉ ሓያሎ ኢትዮጵያውያን ወገናት ትንታነታቶም ይህብሉ ከምዘለው ዝፍለጥ’ዩ።

እዚ ትንታነታት ዝወሃብ ዘሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ወናኒ ማዕከና ዜና ኦሮምያ ሜድያ ኔትዎርክ ዝኾነ ጀውሃር መሓመድ፣ ኣብ ልዕለይ መጥቃዕቲ ንምክያድ ውጥን ተኻይዱ ክብል ብማሕበራዊ ሜድያታት ድሕሪ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብደገፍቱ ተወላዶ ኦሮም ግጭታት ድሕሪ ምጉህሃሩ’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመትን መንፈቕን ብሰንኪ ተኸሲቱ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታትን ጸጸኒሑ ዝነቱግ ናይ ብሄር ግጭታትን ኣማኢት ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም ኣለዉ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Aggebblu 4 years ago

    Why did you put the Pic of Tewahdo priest above others?