“ሩስያ፣ ካብ ኣጽዋር ንላዕሊ፣ መግቢ’ያ ናብ ኣፍሪቃ ትልእኽ” ፕረዚደንት ፑቲን

Radio Erena: 31 October 2019

ሩስያ፣ ናብ ኣፍሪቃ ብሰደድ ካብ እትልእኮ ነገራት፣ መግቢ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከምዝስራዕ ፕረዚደንት እታ ሃገር ቭላድሚር ፑቲን ገሊጹ።

ንሱ ብዝሃቦ መግለጺመሰረት፣ ሩስያ ኣብዚ እዋን’ዚ 25 ቢልዮን ዶላር ዝግመት መግቢ ናብ ኣፍሪቃ ብሰደድ ክትልእኽ እንከላ፣ መሸጣ ኣጽዋር ናብዛ ኣህጉር ድማ 15 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሕ ጠቒሱ።

ኣብ መጻኢ ድማ፣ ምስዛ ኣህጉር፣ ኣብ መንጊ፣ ዕደና፣ ሕርሻ፣ ጥዕናን ትምህርትን ዘተኮረ ንግድን ፕሮጀክታትን ንምዕባይ መደብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ፑቲን ነዚ መግለጺ ዝሃበ ብኣጋጣሚ’ቲ፣ ልዕሊ 30 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሳተፍዎ፣ ኣብ ሶቺ ዝተጋብአ ዋዕላ ሩስያን ሃገራት ኣፍሪቃን’ዩ።

እቲ ዋዕላ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ሩስያ ኣጽዋር ንምሽማት ንምድፍፋእ ዝዓለመ’ዩ እናበሉ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ክገልጽዎ ጸኒሖም እዮም።

መንግስቲ ሩስያ፣ ኢትዮጵያ ንእትርበን 16 ሃገራት፣ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ካብ ሸመተ ኣጽዋርን ካልእን ተዋህሊሉ ዝጸንሐ 20 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ሰሪዙለን ኣሎ።

ኤርትራ፣ ናይጀርያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ካሜሮንን፣ እዚ ዓመት ቅድሚ ምዝዛሙ፣ ናይ 4 ቢልዮን ዶላር ኣጽዋር ናይ ምሽማት መደብ ከምዘለወን፣ ኣብቲ ካብ 23 ክሳብ 24 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ተገሊጹ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0