“መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንምውጻእ ዓቕሚ የብሉን።” ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ

Radio Erena: 04 February 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንምውጻእ ዓቕሚ የብሉን ክብል ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ክልል ትግርይ፣ ዶ/ር ሙሉ ነጋ ገሊጹ።

ንሱ ነዚ ዝገለጸ፣ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ምስ ንማሕበረሰብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ ኮይኑ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይውጻእ ኣብ ዝብል ንዝቐረበ ሕቶ ኣብ ዝመለሰሉ እዋን’ዩ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ጀነራል በላይ ስዮም፣ ምስ ህዝቢ ከተማ መቐለ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፣ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ባዕሉ ከምዝኣተወን እዚ ድማ ከም ኣዛዚ መጠን ኣዝዩ ሕማቕ ከምዝስዖን ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተመዘዘ ግዝያዊ ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ፣ ሙሉ ነጋ፣ ነቲ ካብ ንማሕበረሰብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ንዝስማዕ ዝነበረ ተቓውሞታት ምላሽ እብ ዝሃበሉ ድማ፣ “እንተ ደሊኹም ኪዱ ናብቲ መኸተ ትብልዎ ዘለኹም ቃልሲ ተጸንበሩ” ክብል’ውን ተዛሪቡ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ንዘለዉ ሰራዊት ኤርትራ ክቖጻጸር ይኹን ካብቲ ክልል ንኽወጽኡ ከገድድ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን እናነጸረሉ ይመጽእ ከምዘሎ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝውሕዝ ዘሎ መልእኽታት የረድእ።

ገለ ክፋል ናይቲ ግዝያዊ ኣመሓዳሪ፣ ንማሕበረሰብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዝሃቦ ምላሽ ኣብ ታሕቲ ብምጥዋቕ ስምዑ።

=========

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    milion 3 years ago

    Tgray akal Eritrea eya dhri hiji Hzbi tgray Mis Ethiopia zerakb yebilun Tgray mis Eritrea kthwes eu zelo kalsi serawit Eritrea ::

  • comment-avatar
    ኤርትራ ትንበር 3 years ago

    ኤርትራ ሰራዊት የብላን’ዶ ትብሉ ኣይነበርኩምን ሕጂደኣ ካበይ መጺኡ?

    20 ዓመት ዝኸውን ካብ መሬት ኤርትራ ባድመ ወያነ ምውጻእ ኣብዩዶ ኣይነበረን ሕጂ ደኣ እንታይ ነውሪ ኣለዎ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ እንተሃለወ።
    ንሕና ኤርትራዊያን ወያነ ዝገበሮ ኣይረስዓናዮን?