ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ብዝቐልጠፈ ክትስሕብ ኣመሪካ ጸዊዓ

Radio Erena: 05 February 2021

ምምሕዳር ባይደን፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ብዝቐልጠፈ ክስሕብ ጸዊዑ።

ምምሕዳር ባይደን፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸመ ዘረጋግጽ መርትዖታ ምህላዉ ብምጥቃስ፣ እቲ መንግስቲ ብዝቀልጠፈ ክወጻእ ከምዝጸውዐ ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን ብሓሙስ 4 ለካቲት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘካየዶ ናይ ቴሌፎን ዝርርርብ፣ ናብ ትግራይ ህጹጽ ረዲኤት ክበጽሕን ኣብቲ ክልል ዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መስላት ብናጻ ኣካል ክጻረን ኣብ ዝብል ጉዳያት ከምዝተመያየጠ ዲፕሎማስያውይን ምንጭታት ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ኣማኢት ኤርትራውያን፣ ብሓሙስ 4 ለካቲት፣ ኣብ ከተማ ጄኔቫ ብምትእኽኻብ፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ትግራይ ብምእታው ንዝፈጸሞ መጥቃዕታት ዝኹንን እቲ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ክወጽእ ዝጽውዕን ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
=========

COMMENTS

WORDPRESS: 0