ሊብያ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ዝመለሶም 5 ኤርትራውያን ብሕጋዊ መስርሕ ተዓዊቶም ኢጣልያ ኣትዮም

Radio Erena: 06 September 2020

ኣብ ሊብያ ዝነበሩ 5 ኤርትራውያን ኣንጻር መንግስቲ ኢጣልያ ድሕሪ ዝመስረቱዎ ክሲ ብምዕዋቶም፤ መሰል ዑቕባ ተዋሂቡዎም ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ።

ኣብ 2009፤ 89 ኤርትራውያን ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ኢጣልያ ንምእታው ኣብዝሓለኑሉ እዮም፤ ብሓለዋ ባሕሪ’ታ ሃገር ተታሒዞም ናብ ሊብያ ከምዝጥረዙ ተገይሩ።

10 ካብቶም ንሊብያ ዝተጠረዙ ኤርትራውያን፤ ድሕሪ ሓያል ጻዕሪን ከርተትን ናብ እስራኤል ክኣትዉ እንከለዉ፤ እቶም ዝተረፉ ግና ኣብ ሊብያ ኣብ መዓስከራት ተዳጒኖም፤ ኣደዳ ግፍዒን መግረፍቲን ከምዝኾኑ ይገልጹ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ 2016 ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኢጣልያ፤ ነዚ ውሳኔ ብሕላፉ ንዝወረዶም ግፍዒ፤ ካሕሳ ንምሕታት እቶም ኤርትራውያን ክሲ መስሪቶም።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢጣልያ፤ እቶም ስደተኛታት ዘቕረቡዎ ክሲ ሕጋዊን ብቑዕ ጭብጥታትን ከምዘለዎ ብምርግጋጽ፤ መንግስቲ ኢጣልያ ክኽሕሶም ውሳኔ ኣሕሊፉ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝርከቦም ተጣበቕቲ መሰላት እቶም ሓሙሽተ ኤርትራውያን ብሰላም ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉን፤ ናይ ፖለቲካዊ ዑቕባ መሰሎም ከምዝተረጋገጸሎምን ድሕሪ ምጽራይ፤ ነቲ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ብሓጎስ ከምዝተቐበሉዎ ገሊጾም።

ቤት ጽሕፈት ኣምነስቲ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ እቶም ኤርትራውያን ሓደጋ ብዘይብሉ መንገዲ ብነፋሪት ምጉዓዞም ጥራይ ዘይኮነ፤ ስደተኛታት ንመንግስቲ ከሲሶም ክዕወቱ ምኽኣሎም፤ ሓበን ከምዝተሰመዖ ገሊጹ።

ኣብቲ ጉዳይ ክነጥፉ ዝጸንሑ በርጌሳውያን ማሕበራት ብወገኖም፤ እቶም ስደተኛታት ብኣካል ኣብ ዘይተረኽቡሉ ፖለቲካዊ ዑቕባ ክረኽቡ ኣብ ታሪኽ ኢጣልያ ዝምዝገብ ፍጻሜ እኳ እንተኾነ፤ ካብ ፈለምኡ’ውን ንኩሎም ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ክወሃቦም ዝግባእ መሰል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    kidane 4 years ago

    Again Question there was a shekortet program every weekend on sunday i was a very happy when i had listened shekortet program. My Question is÷ wILL comming the shekortet program in the future?
    Thanks in Advance