ሱዳን፣ ብሰንኪ ዕልቕልቕ ንስለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ

Radio Erena: 06 September 2020

መንግስቲ ሱዳን ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዋጅ ኣውጺኡ።

ቆንስል ጸጥታን ምክልኻልን ሱዳን ብዓርቢ 4 መስከረም ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ’ዩ ነቲ ኣዋጅ ኣጽዲቑዎ።

ኣብ ሱዳን ብዝወረደ ሓያል ዝናብ ህይወት ኣስታት 100 ሰባት ድሕሪ ምውሳዱ’ዩ፤ መንግስቲ ሱዳን ነዚ ኣዋጅ ኣውጺኡ። እቲ ሓያል ዝናብ ብተወሳኺ፤ ኣብ 16 ዞባታት’ታ ሃገር ዝርከብ ልዕሊ 100 ሽሕ ኣባይቲ ከዕኑ እንከሎ፤ ህይወት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ኣመዛቢሉ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ዕዮ ሱዳን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ እቲ ብሓያል ዝናብ ዝሰዓበ ዕንወት፤ ኣብ ታሪኽ ሱዳን ካብ ዝተመዝገቡ ኣብ 1946ንን 1988ን ዝወረዱ ዕንወታት ዝኸፈአ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ኣኼብኡ፤ ነቲ ወሪዱ ዘሎ ዕንወት እትከታተልን ንምሕዋዩ ክውሰድ ዘለዎ ስጉምታት ጠለብ እተቕርብን ኮሚቴ ክትቀውም ውሳኔ ኣሕሊፉ።

=========

COMMENTS

WORDPRESS: 0