ፖርት ሱዳን፣ ንዑደት ምክትል መራሒ ሱዳን፣ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝቃወም ህዝባዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 17 March 2022

ምክትል ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝመርሖ ዑደት ናብ ፖርት ሱዳን ህዝባዊ ተቓውሞ ገጢምዎ።

እቲ ጀነራል፣ ብ15 መጋቢት ናብ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ህዝቢ እታ ከተማ ጎደናታት ብምዕጻውን ጎማታት መኪና ብምቕጻልን ኣንጻሩ ተቓውሞ ኣካይዱ።

ብፍላይ ተማሃሮ ዪኒቨርሲቲ ኣብ ዘካየድዎ ኣድማ፣ ኣብ ሓደ ክፋል ቀጽሪ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ባርዕ ከምዝተራእየ ሬድዮ ዳባንጋ ሓቢራ።

ህዝቢ ፖርት ሱዳን ኣንጻር ዑደት ጀነራል ሓምዲቲ ሰልፊ ዘካየደ፣ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ንገለ ክፋል ወደብ ሱዳን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብክራይ ከሰጋግሮ’ዩ ተባሂሉ ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ብቁጠባ ባይታ ዘቢጣ ዘላ ሱዳን፣ ባንክታታት ብናይ ወጻኢ ባጤራ ንምሕያል፣ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተፈላለየ ስምምዓት ክትክትም ምዃና’ዩ ዝግለጽ።

ሓደ ካብኡ ድማ ንገለ ክፋል ወደብ ፖርት ሱዳን ብክራይ ምስግጋር ክኸውን ከምዝኽእል ይትንተን።

ጀነራል ሓምዲቲ ናብ ፖርት ሱዳን ምስ ኣተወ፣ ዕላማ ዑደቱ ንኩነታት እቲ ዞባ ብቀረባ ንምክትታል ንዘሎ ጸገማት መፍትሒታቱ ንምንዳይን ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ነቲ ዝተባህለ ስምምዕ ክራይ ወደብ ምስ ኢማራት ነጺግዎ።

ካብ ቀንዲ ቁጠባዊ ዞባታት ሱዳን ዝኾነ ፖርት ሱዳን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ተደጋጋሚ ኣድማታትን ህዝባዊ ናዕብን ተኻይድሉ ‘ዩ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0