ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ብጃልባ ዝተበገሱ ኣስታት 70 ሓተቲ ዑቕባ ደሃዮም ጠፍኡ

Radio Erena: 18 March 2022

ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ብጃልባ ዝተበግሱ ኣስታት 70 ሓተቲ ዑቕባ ደሃዮም ከምዝጠፍአ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት – IOM ገሊጹ።

እቶም ሓተቲ ዑቕባ፣ ቅድሚ ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ቅድሚ ክልተ ሰሙን ‘ዮም ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ተበጊሶም።

እቲ ማሕበር፣ ኣብ ትሪፖሊ ካብ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈቱ፣ ብ17 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ብ12 መጋቢት’ውን 25 ሓተቲ ዑቕባ ዝጸዓነት ጃልባ ምስ ጠሓለት፣ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ንሽዱሽተ ክድሕኑ እንከለዉ፣ ናይ ሸውዓተ ሰባት ሬሳ ድማ ረኺቦም።

እቶም ዝተረፉ ግና ዛጊት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

IOM ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ኣብዛ ሰለስተ ኣዋርሕን ፈረቃን ጥራይ ተላዒሉላ ዘሎ ዓመተ 2022፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሃለዋቶም ናይ ዝጠፍኡ ሓተቲ ዑቕባ ብዝሒ 234 በጺሑ ኣሎ።

ካብ 2014 ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘሎ 8 ዓመታት ድማ ካብ ሊብያ ተበጊሶም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምእታው ካብ ዝሓለኑ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 10ታት ኣሽሓት ሓተቲ ዑቕባ፣ ልዕሊ 23, 500 ሰባት ሃለዋቶም ከምዝጠፍአ ወይ ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ እቲ ማሕበር የመልክት።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0