ፖሊስ ፈረንሳ ብሰንኪ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ ከተማ ካሌ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ፖሊስ ፈረንሳ ብሰንኪ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ ከተማ ካሌ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 14 October, 2014

Calais

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ወደባዊት ካሌ ናይ ፈረንሳ ዝተኣኻኸቡ ብዝሒ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዕጽፊ ድሕሪ ምዝያዱ፣ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ፖሊስ መንግስቲ ተወሳኺ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ ተቓውሞ የካይዱ ኣለዉ።

ኣብ ካሌ ዝርከቡ ፖሊስ ፈረንሳ፣ ካብታ ወደባዊት ከተማ ንዝወጻ ናይ ጽዕነት መካይን ኣብ ጎደና ብምዕጋት’ዮም ተቓውምኦም ዘካይዱ ዘለዉ።

 

ብሰንኩ’ውን ትማሊ ሓያሎ ናይ ጽዕነት መካይን ተዓጊተን ከምዝወዓለ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ሓቢረን።

ኣብታ ወደባዊት ከተማ ናይ ዝተኣኻኸቡ ብዝሒ ስደተኛታት ልዕሊ 1500 በጺሑ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ኣባላት ፖሊስ፣ ነዚ ቁጽሪ’ዚ ንምዉጽጻር ይኹን ናዕቢ እንተተወሊዑ ንምህድኡ ክውሰድ ኣብ ዝኽእል ስጉምቲ እኹል መሳርሒ ኣይተቐረበልናን ክብሉ’ዮም ዝገልጹ።

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ካብ ዝተኣኻከቡ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ኣፍጋኒስታንን ዝርከብዎም ልዕሊ 1500 ስደተኛታት፣ ኣብ ከባቢ ፋብሪካን ጎደናታትን ከተማ ካሌ ኣብ ጎደና ይሓድሩ ምህላዎም፣ ንህዝቢ እታ ከተማ ሻቕሎት ፈጢርሉ ከምዘሎ’ውን እቶም ፖሊስ ይገልጹ።

ካብ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ዝኾነት ከንቲባ እታ ከተማ’ውን መንግስቲ ስጉምቲ እንተዘይወሲዱ ኣብቲ ወደብ ዝወሃብ ኣገልግሎታት ደው ከተብሎ ምዃና’ያ ተጠንቕቕ።

እንተኾነ መንግስቲ ፈረንሳ፣ እቶም ኣብ ካሌ ዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያን ንምስግራ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዘስግእ ጉዳይ ስለዘይብሎም፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ተሪር ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ተቖጢቡ ኣሎ።

ኣብ ካሌ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝተላዕለ ዕግርግርን፣ ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ኣብ ዘምርሐት ናይ መዛወሪ ጃልባ ወሪሮም ምእታዎምን፣ ከተማ ካሌ ብጉዳይ ስደተኛታት ብዝልዓለ ዝዝረበላ ዘላ ከተማ ፈረንሳ ኮይና ትርከብ።

ካብታ ወደባዊት ከተማ ካሌ ዝብገሱ መራሕቲ ዓበይቲ መካይን’ውን፣ ሰሊዅም ናብተን መካይን ንዝኣትዉ ስደተኛታት ንምቁጽጻር ብሰንኩ ዝመጽእ ሓደጋ ካልእ ሳዕቤናትን ኣሸጊርዎም ከምዘሎ ብምጥቃስ ኣብ መጀመርያ ዕለት ናይዚ ወርሒ’ዚ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም’ዮም።

ኣቐዲሞም’ውን ካብ ኢጣልያ ናብ ፈረንሳ ኣብ ዘእቱ ዶብ ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ፈረንሳ፣ ዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት መግትኢ ስለዝተሳእኖ፣ መንግስቲ ፈረንሳ ሓድሽ ውሳኔ ከሕልፍ ምጽውዖም ኣይርሳዕን።

ዶባታ ብጽኑዕ ዓጽያ እትርከብ ብሪጣንያ፣ ብመንገዲ ፈረንሳ ከጋጥማ ንዝኽእል ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ይሕግዝ’ዩ ዝበለቶ ፕሮጀክት ብምቕራብ ኣስታት 15 ሚልዮን ዶላር ባጀት ሰሊዓትሉ ኣላ።

=====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0