ፖሊስ ግብጺ 40 ኤርትራውያን ኣሲሮም

Radio Erena: 22 July 2019

ፖሊስ ግብጺ፣ ኣብ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ንዝነበሩ ብውሕዱ 40 ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ከምዝኣሰሩ ወኪል ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ግብጺ ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኾ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ፖሊስ ንሓያሎ ካብቶም ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተረኽቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ መንበሪ ፍቓዶም ከምዝመንዝዐ’ውን እቲ ማሕበረ-ኮም ኣረጋጊጹ።

መንግስቲ ግብጺ፣ ነቶም ትማሊ ሰንበት ኣብ ቀይዲ ዘውዓሎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ከይጥርዞም’ውን ስግኣት ከምዘሎ ዘመልከተ እቲ ማሕበረ-ኮም፣ ተጠበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንኩነታቶም ክከታትል ጸዊዑ።

ኣብ ግብጺ ዝርከብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ዘይቅርዑይ ኣተሰራርሓ ከምዘለዎን፣ ብሰንኩ ድማ ናብ ሳልሰይቲ ሃገራት ናይ ምጥያስ መስርሕ ብዙሕ ዕንቕፋታት የጋጥሞም ከምዘሎን’ዮም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ዝወቕሱ።

=======================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0